ኣመሪካ፣ ብዑደት ኣልበሽር ናብ ቻይና ትሻቐል

    ፕረዚደንት ሱዳን፣ ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ናብ ቻይና ከካዪዶ ወጢኑዎ ዘሎ ዑደት ኣንጻር ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ምዃኑ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣዘኻኺራ።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብሰምበት ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ናብ ቻይና ዑደት ብምክያድ ምስ ቻይናዊ መዘንኡ ክራኸብ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባሩ፣ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ፣ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብዝምልከት ናብ ቻይና መተሓሳሰቢ ከምዝተላከ ኣፍሊጡ።
    ቀንዲ ዕላማ ጉዕዞ ኣልበሽር፣ ቻይና ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንጃፓን ዝሰዓረትሉ ጽምብል ኣብ 3 መስከረም ንምስታፍ ምዃኑ ይግለጽ።
    እንተኾነ ኣመሪካ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ድሕሪ ምኽሳሱ፣ ኣብ ዝገሸሉ ተታሒዙ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ዝብል ውሳኔ ገና ጸኒዑ ስለዘሎ፣ መንግስቲ ቻይና ዳግመ ግምት ክገብር ጸዊዓ።
    ኣይ.ሲ.ሲ. ንፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ 2009 ብገበናት ኲናትን፣ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ክኸሶ እንከሎ፣ ኣብ 2010 ከኣ ኣብ ዞባ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት ከምዝከሰሶ ይዝከር።
    ኣመሪካን ቻይናን ንውዕላት ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝፈረማ ሃገራት’ኳ እንተዘይኮና፣ ናይቲ ነዚ ክሲ ኣልበሽር ናብቲ ቤት ፍርዲ ዘመሓላለፈ ባይቶ ጸጥታ ግና ቀወምቲ ኣባላት እየን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0