ሰለስተ ኣባላት ፓርላማ ስዊዘርላንድ፣ ብዛዕባ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዝርራብ ናብ ኤርትራ ከምርሑ’ዮም

ሰለስተ ኣባላት ፓርላማ ስዊዘርላንድ፣ ብዛዕባ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዝርራብ ናብ ኤርትራ ከምርሑ’ዮም

Radio Erena: 03 February 2016

swiss

ኣባላት ፓርላማ ስዊዘርላንድ ብዛዕባ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ንምዝርራብ ናብ ኤርትራ ከምርሑ’ዮም።

እቶም ኣባላት ፓርላማ ስዊዘርላንድ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ብዝገበረሎም ዕድመ መሰረት፣ ኣብዚ ዝመጽእ ቀረባ መዓልታት ናብ ኤርትራ ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ማዕከናት ዜና እታ ሃገር’ውን ኣረጋጊጸን ኣለዋ። 

ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ዝርከብ ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ መንግኦኦ ፖለቲከኛታትን ማዕከናት ዜናን እታ ሃገር ኣዘራራቢ ምዃኑ ይፍለጥ።

 

ብዙሓት ፖለቲከኛታት እታ ሃገር፣ እቶም ስደተኛታት ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ምልኪ፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርናን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዝሃደሙ’ዮም ዝብል እምነት ክህልዎም እንከሎ፣ ካብ የማናውያን ሰልፍታት እታ ሃገር ግና፣ ኤርትራውያን ናብ ቁጠባ ስደተኛታት’ዮም ክብሉ’ዮም ዝገልጽዎም።

መንግስቲ እታ ሃገር ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራን ኤርትራውያንን ብዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ንምዝርራብ ዝሓለፈ ዓመት ወኪሉ ናብ ኤርትራ ልኢኹ ምንባሩ ይፍለጥ።

እዞም ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ክፍጽሙ ምዃኖም ዝንገር ዘሎ ሰለስተ ኣባላት ፓርላማ ስዊዘርላንድ’ውን ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎም እኳ እንተኾነ፣ ፍሉይነቱ ግና ኣብታ ሃገር ብዝርከብ ስዊዘርላንዳዊ ናይ ክብሪ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ቶኒ ሎሸ ዕድመ ዝቀረበሎም ምዃኑ ኣር.ቲ.ኤስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና እታ ሃገር የመልክት።

ካብ ጸጋማውያን ሰልፍታት ዝኾኑ ሓያሎ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር’ውን ነዚ ብቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ዝተገብረ ዕድመ ምብጻሕ ሰለስተ ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር ተቓዊሞሞ ምህላዎም እቲ ብቋንቋ ፈረንሳ ዝዝርጋሕ ማዕከን ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ብሰኑይ 01 ለካቲት ናብ ኤርትራ ኣትዩ ከምዘሎ ዝተሓበረ ሓደ ካብ ኣባላት ፓርላማ ቶማስ ኣሰሺ ከኣ ነታ ብየመናውያን ሰልፍታት ዝቐረብ ዘሎ ተቓውሞ ከምዝነጸገ ኣብ ሓበሬታ ናይ ኣር.ቲ.ኤስ ሰፊሩ ኣሎ።

ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ ሓደ ካብ ዓበይቲ መዛረቢ ነጥብታት ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ቆንስል ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ሃገር ካብ ዝርከቡ ካብ ዜጋታት ኤርትራ ዘይሕጋዊ ክልተ ካብ ሚእቲ ግብሪ የኽፍል ኣሎ ንዝብል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2015 ዝተመስረተ ክሲ ክሲ ከምዝተመስረተሉ፣ ብኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ከምዝተነጽገ ኣይርሳዕን።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0