ቻይና፣ ኣብ ጅቡቲ ምህናጽ ቀዋሚ መዓስከር ሓይሊ ባህሪ ክትጅምር’ያ

ቻይና፣ ኣብ ጅቡቲ ምህናጽ ቀዋሚ መዓስከር ሓይሊ ባህሪ ክትጅምር’ያ

Radio Erena: 04 February 2016

Ch Dj

ቻይና ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ፣ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ምህናጽ ክትጅምር ምዃና ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ቻይና ማዕረ’ተን ካልኦት ሃገራት ረብሓኣ ናይ ምሕላው መሰል ከምዘለዋ ብምዝክኻር፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ እትሃንጾ ወትሃደራዊ መዓስከር ከኣ ሓደ ካብኡ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ጅቡቲ ኣብዚ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ናይ 12.5 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ንምክያድ ወጢና ከምዘላ ዝሓበረ ፕረዚደንት ጉለ፣ ቻይና እታ ኣውራ ናይዚ ወፍሪ’ዚ ተሳታፊት ምዃና ኣረጋጊጹ።

 

እታ ሃገር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘለዋ ማያዊ ስትራቴጅያዊ ኣቐማምጣ ንሓያሎ ብንግዲ ዓበይቲ ዝኾና ሃገራት ትስሕብ ምስ ምህላዋ፣ ፕረዚደንት ጉለ፣”ንጅቡቲ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና፣” ምባሉ’ውን ሮይተረስ ጠቒሱ።

ኣምሳያ ናይቲ ቻይና እተቑሞ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ጅቡቲ ገዚፍ ፊናንስያዊ ሓገዝ ክትርከብ ምዃና ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፣ መጠኑ ግና ኣይተሓበረን።

ይኹን’ምበር ኣብ ጅቡቲ ክካየዱ ዝተወጠኑ ኣብ ምስፋሕ ወደብ፣ ምህናጽ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባን ምዝርጋሕ መንገዲ ባቡርን ዝኣመሰለኡ ናይ ልምዓት መደባት ብምወላ ቻይና ክትግበሩ ምዃኖም ተደጋጊሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ቻይና እቲ ካብ መሬታ ወጻኢ ንመጀመርያ እዋና ኣብ ጅቡቲ እተቑሞ ወትሃደራዊ መዓስከር ክሳብ 30 ዓመታት ክጸንሕ ምስ መንግስቲ ጅቡቲ ውዕል ከምዝኣተወት’ዩ ዝንገር።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0