ሰለስተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝውዕል ናይ 60 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ረኺበን

ሰለስተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝውዕል ናይ 60 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ረኺበን

EU flagsኮሚሽን ኤውሮጳ ንሰለስተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝውዕል ናይ 60 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ሰሊዑ።

       እቲ ኮሚሽን በልጅዩም ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ብዕለት 7 ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኢትዮጵያ ሶማልያን ኬንያን ብሰንኪ ዋሕዲ መግቢ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝበን ንምሕጋዝ ነቲ ባጀት ከምዝሰለዖ ኣፍሊጡ።

 

       ብሓፈሽኡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ንሶማልያ፣ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ዩጋንዳን ጂቡቲን ናይ 260 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ከምዝሰለዐ የመልክት።

       ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኢትዮጵያ፣ ሰሜን ኬንያን ሶማልያን ልዕሊ 17 ሚልዮን ህዝቢ ብደርቂ ተጠቒዑ ምህላዉ ድሕሪ ምግላጽ ኮሚሽን ኤውሮጳ፣ ኣብዘን ሃገራት ሕማም ሸሮኽን ውጽኣትን’ውን ተላቢዑ ስለዘሎ፣ እቲ ዝተለገሰ ሓገዝ ህጹጽ ፍታሕ ከምጽእ ትጽቢት ከምዝግበረሉ ኣመልኪቱ።

       ካብዚ ዝተለገሰ ሓገዝ፣ 40 ሚልዮን ዩሮ ሶማልያ፣ 15 ሚልዮን ዩሮ ኢትዮጵያ፣ ከምኡ’ውን 5 ሚልዮን ዩሮ ንኬንያ ክወሃበን ምዃኑ ተፈሊጡ። 

COMMENTS

WORDPRESS: 0