ኣብ ጊሰን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻዪዱ

ኣብ ጊሰን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻዪዱ

gissenብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዳለወ ፈስቲቫል ጀርመን ንምቅዋም፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካዪዶም።

       ኣብቲ ብዕለት 8 ሓምለ ኣብ ከተማ ጊሰን ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ክርከቡ እንከለዉ ሓያሎ ጀርመናውያን’ውን ከምዝተሳተፍዎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

 

       ‘’ኣንጻር ፈስቲቫል ራዕድን ሓሶትን’’ ዝተሰምየ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ ብህግደፍ ዝካየድ ፈስቲቫል ንፖለቲካዊ መኽሰብ እንተዘይኮይኑ ከምቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝብሎ ንምትሕቑቛፍ ኤርትራውያን ከምዘይኮነ እቶም ተሳተፍቲ ገሊጾም።

       ንሳቶም ብተወሳኺ፣ ከተማ ጊሰን ንዓሰርተታት ዓመታት መዕቆብ ስደተኛታት ኮይና ዝጸንሐት ክነሳ፣ ብኣንጻር’ቲ ባይቶ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ መንግስቲ ኤርትራ ፈስቲቫሉ ኣብዛ ከተማ ምክያዱ ዘጉሂ እዩ ክብሉ ገሊጾም።

       ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ጀርመናውያን ብወገኖም፣ ህዝቢ ናቱ ቅዋማዊ ምምሕዳር ክህልዎ ይግባእ ድሕሪ ምባል፣ ዝኾነ ውልቀሰብ ብዝደልዮ ትምህርትን ሞያን ክዓቢ እምበር ካብ ግዜ ንእስነቱ ብረት ዓጢቑ ዕድሚኡ ከሕልፍ ኣይግባእን ክብሉ፣ ንሕሰም ኤርትራውያን ብምግላጽ ነቲ ናይ መንግስቲ ፈስቲቫል ዘለዎም ተቓውሞ ኣስሚዖም።

       ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝዳሎ ፈስቲቫላት፣ ብተደጋጋሚ ተቓውሞታት ክገጥሞ ካብ ዝጅምር፣ ቁጽሪ ተሳታፊኡ በብእዋኑ እንዳጎደለ ክመጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ።  

COMMENTS

WORDPRESS: 0