ርዋንዳ፣ ብሰንኪ ዋሕዲ መቑነን ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ሓያሎ ስደተኛታት ተቐቲሎም

ርዋንዳ፣ ብሰንኪ ዋሕዲ መቑነን ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ሓያሎ ስደተኛታት ተቐቲሎም

Radio Erena: 27 February 2018

Rwanda Congo

ኣብ ርዋንዳ ተዓቝቦም ዝርከቡ ኣሽሓት ስደተኛታት ኮንጎ፣ ብሰንኪ ዋሕዲ መቑነን ኣብ ዘካይድዎ ዝነበሩ ተቓውሞ ምስ ፖሊስ እታ ሃገር ብምግጫዎም ብውሕዱ 11 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ግጭት፣ ፖሊስ ርዋንዳ ነቶም ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ኣስታት 3 ሽሕ ዝግመቱ ስደተኛታት ኮንጎ ንምብታን ኣብ ዝፈተነሉ እዋን’ዩ ተጓሃሂሩ።

ፖሊስ ነቶም ብሰንኪ ዋሕዲ መቑነን ተቓውምኦም ዘስምዑ ዝነበሩ ስደተኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ጠያይትን ከምዝተኮሱ ዝሓበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻክር፣ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉን ከምዝቖሰሉን ኣረጋጊጾም።

ኣብ ርዋንዳ ዝርከብ ወኪል UNHCR፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ምውላን ናይ ስደተኛታት መቑነን ክጎድል ምዃኑ ኣቐዲሙ ክሕብር ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ርዋንዳ ኣስታት 174 ሽሕ ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ እቶም ኣስታት ፍርቂ ናይዚ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተሰዱ’ዮም።

UNHCR ነዞም ስደተኛታት ኣብ 2018 ንመግብን ካልእን ዝውዕል 98 ሚልዮን ዶላር ምውላ እኳ እንተሓተተ ዛጊት 2% ጥራይ’ዩ ረኺቡ ከምዘሎ’ዩ ዝሕብር።

ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ ስደተኛታት እኹል መቑነን ከውሕስ ዘይክኣለ፣ መንግስቲ ርዋንዳ፣ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ኣሽሓት ስደተኛታት ንምቕባል ምስ መንግስቲ እስራኤል ይዘራረብ ከምዘሎ ይፍለጥ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0