ስዑዲ ዓረብ፣  ምስ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 200 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣሲራ

ስዑዲ ዓረብ፣ ምስ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 200 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣሲራ

Radio Erena: 27 February 2018

Saudi Ethio

ስዑዲ ዓረብ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ዜጋታት ወጻኢሃገራት ንምህዳን ኣብዚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ዘካየደቶም ስርሒት፣ ልዕሊ 670 ሽሕ ሰባት ከምዝኣሰረት ኣገልግሎት ዜና ስዑዲ ብሰንበት 25 ለካቲት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ እቶም 65 ሚእታዊት ካብዚኣቶም የመናውያን ክኾኑ እንከለዉ እቶም 32 ሚእታዊት ወይ ከኣ ኣስታት 214 ሽሕ ኢትዮጵያውያን’ዮም።

እቶም ዝተረፉ 3 ሚእታዊት ድማ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ምዃኖም እቲ ኣገልግሎት ዜና የመልክት።

ካብዞም ኣብዚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብፖሊስ ስዑዲ ዓረብ ዝተታሕዙ ናይ ወጻኢ ዜጋታት፣ እቶም ኣስታት 469 ሽሕ ናይ መንበሪ ቅጥዕታት ዘየማልኡ ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም ኣስታት 140 ሽሕ ከኣ ናይ ስራሕ ሕግታት ዘየማልኡ’ዮም።

ብዘይካ’ዚ ንጸጥታ ዶባት ብምጥሓስ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ልዕሊ 59 ሽሕ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ክእሰሩ እንከለዉ፣ 592 ሰባት ከኣ ካብታ ሃገር ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ክወጹ ኣብ ዝፈተንሉ ከምዝተታሕዙ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ 198 ስዑዳውያን ዝርከብዎም 1300 ሰባት፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይጸንሖም ወጻእተኛታት ብምዕቛቦም ኣብ ስራሕ ብምውፋሮም ከምዝተኣስሩ ተገሊጹ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ልዕሊ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ሓድሽ ሕግታት ካብ እተተኣታትዉ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ 1.6 ሚልዮን ሰባት ሰጕጋ ከምዘለዋ’ውን እቲ ዜና ኣብ መወዳእታ የገንዝብ።

እታ ሃገር ነዚ ሓድሽ ሕግታት ድሕሪ ምእዋጃ፣ ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ስድራቤታቶም ናብ ሱዳንን ግብጽን ይሰዱ ምህላዎም ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0