ሩስያ፣ ኑክሌር ዝዓጠቓ መራኽብ ዝዓርፋሉ፣ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ሱዳን ክትሃንጽ መደብ ከምዘለዋ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 12 November 2020

ሩስያ፣ ኑክሌር ዝዓጠቓ መራኽብ ዝዓርፋሉ፣ መደበር ሓይሊ ባሕሪ፣ ኣብ ገማግም ሱዳን ክትሃንጽ መደብ ከምዘለዋ ንወግዓዊ ሓበሬታ መንግስቲ እታ ሃገር ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ካብ ሞስኮ ሓቢረን።

ብመሰረት እቲ ሩስያ ኣውጺኣቶ ዘላ መደብ፣ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ፖርት ሱዳን ክህነጽ ምዃኑ ዝተሓበረ መደበር ሓይሊ ባሕሪ፣ ኣስታት 300 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ክዋፈሩ’ዮም።

እቲ መደብ፣ ኣካል ናይቲ ሩስያን ሱዳንን ኣቐዲመን ዝበጽሐኦ ወትሃደራዊ ስምምዕ ኮይኑ፣ ናብ ትግባረ ንምስግጋሩ ተወሳኺ ውዕል ከምዘድሊ ተመልኪቱ ኣሎ።

ሩስያ፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፣ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ትውጥን ዘላ፣ ከም ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ቻይናን ዝኣመሰላ ሓያላን ሃገራት፣ ኣብ ጂቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከራትን ኣብ ዘስፍሓሉ ዘለዋ እዋን’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0