ሊብያ፣ ተሓላቒት መሰል ደቂንስትዮ ዝኾነት ጓለነስተይቲ ኣብ ከተማ ቤንቓዚ ተቐቲላ

Radio Erena: 12 November 2020

ኣብ ሊብያ፣ ከተማ ቤንቓዚ፣ ብጀነራል ሓፍታር ብዝምራሕ ሓይሊ ይፍጸም ኣሎ ንእትብሎ ግፍዕታት ክትቃወም ዝጸንሐት፣ ሓናን ኣል ባራሲ ዝተባህለት፣ ተሓላቒት መሰል ደቂንስትዮ፣ ብ10 ሕዳር ኣብ ማእከል ጎደና ተቐቲላ።

ንሳ፣ ብ10 ሕዳር፣ ቀትሪ፣ ኣብ ዕሙር ጎደና ማእከል ቤንቓዚ፣ ብመኪና እናተጓዓዘት እንከላ፣ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተኸታቲሎም ከምዝቐተሉዋ’ዩ ተሓቢሩ።

46 ዓመት ዝዕሚኣ ሓናን፣ ዕጡቓት ጀነራል ሓፍታርን ንዕኡ ዝድግፉ ሚሊሻታትን፣ ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ቤንቓዚን ከባቢኣን፣ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ንዝፍጽምዎ ጾታዊ ዓመጽን ግፍዕታትን ብግሁድ ክትቃወም’ያ ጸኒሓ።

እዛ ብማሕበራዊ ሜድያን ካልእ ኣጋጣሚታትን፣ ንመሰል ደቂንስትዮ ክትጣበቕ ዝጸንሐት ሊብያዊት፣ ሒደት ደቓይቕ፣ ቅድሚ ምቕታላ፣ ኣብ መኪናኣ ኮይና፣ ብዛዕባ ኣብ ሓንቲ መንእሰይ ዝተፈጸመ በደል ዝዘንቱ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ብፌስቡክ ከምዘመሓላለፈት፣ ብጾታ ገሊጸን።

ሓናን፣ ብዘይካ’ዚ ብማሕበራዊ ሜድያ እተሕልፎ መልእኽታት፣ ንመሰል ደቂንስትዮ ዝጣበቕ፣ ማሕበር’ውን ኔሩዋ’ዩ።

ቅድሚ ሓደ ዓመትን መንፈቅን’ውን፣ ሲሃም ሰርጊዋ ዝተባህለት ተጣባቒት መሰል ደቂንስትዮ፣ ኣብ ከተማ ቤንቓዚ ካብ ዝርከብ መንበሪ ቤታ፣ ብዕጡቓት ድሕሪ ምጭዋያ፣ ዛጊት ሃለዋታ ኣይተፈልጠን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0