ሩስያ፣ ሰለስተ ዓበይቲ ናይ ብሕቲ ኩባንያታት ልኣኽቲ ኣእካል ስርሐን ደው ከምዘብላ ኣፍሊጠን

Radio Erena: 07 April 2023

ኣብ ሩስያ፣ ኣብ ምእካብን ምልኣኽን ስርናይ ዝርከቦ ኣእካል ናብ ዕዳጋ ዓለም ተዋፊረን ዝጸንሓ ሰለስተ ዓበይቲ ናይ ብሕቲ ኩባንያታ ስርሐን ደው ከምዘብላ ኣፍሊጠን።

እተን ካርጂል፣ ልዊ ድረፉስን ቪተራን ዝተባህላ ኣብ ኣመሪካ፣ ሆላንድን ስዊዘርላንድን ዝመደበረን ኩባንያታት፣ ኣብ ሩስያ ዘሎ ኩነታት ብምግምጋም፣ ክነጥፋሉ ዝጸንሓ ወፍሪ ምልኣኽ ኣእካል ናብ ዕዳጋ ዓለም፣ ካብ ባሕቲ ሓምለ ደው ከብላ ከምዝወሰና ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ምውጻእ እተን ኩባንያታት ካብ ሩስያ፣ ምልኣኽ ኣእካል ብመንግስቲ ከምዝበሓት ክገብር’ዩ ዝበሉ ተንተንቲ ቁጠባ፣ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ፣ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዘይምርግጋእ ክፈጥር ከምዝኽእል ኣሚቶም።

ምስ ምውላዕ ኵናት ሩስያን ዩክሬንን ኣብ ለካቲት 2022፣ ዕዳጋ ኣእካል ብደረጃ ዓለም ናህሪ ከምዘርኣየ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዚ ሓድሽ ስጉምቲ ናይዘን ኩባንያታት ብዝበኣሰ ከየጋድዶ ተሰጊኡ ኣሎ።

መንግስቲ ሩስያ፣ ንምልኣኽ ኣእካል ውልቃዊ ናኒኑ እንተጌርዎ፣ ኣብ ርእሲ’ዚ ዝፍጠር ናይ ምሕደራ ብድሆታት፣ ዘይግሉጽነት ኣሰራርሓን ፖለቲካን ተደሚርዎ፣ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ጸቕጢ ክፈጥር ምዃኑ’ዩ ዝጥቐስ።

ብፍላይ ኣብ ዕዳጋታት ኤውሮጳ፣ ዋጋታት ኣእካል ካብ ዘለዎ ናብ ክልተ ዕጽፊ ከዛይድ ተኽእሎ ኣሎ።

ሩስያ፣ ብሰደድ ኣእካል ኣብ ዓለም ቀዳማይ ደረጃ’ያ።

ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ዩክሬይን ዝተወልዐ ኵናት’ውን እንተኾነ፣ ኣብ ዕዳጋ ኣብ ዓለም ነዊጽ ከይፈጥር ተባሂሉ፣ መሸጣ ኣእካል ብኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን እገዳ ኣይተገብረሉን።

ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ፣ ዋዕላ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ወዲባ ዘላ ሩስያ፣ ንሰድድን መሸጣን ኣእካል ኣካል እተካይዶ ዘላ ዘመተ ክትጥቀመሉ ጀሚራ ምህላዋ ክትቅቐስ ጸኒሓ’ያ።

መብዛሕተን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ስርናይን ካልእ መሰረታዊ ናይ መግቢ ኣእካልን፣ ካብ ሩስያን ዩክሬይንን ይሽምታ ምንባረን ይፍለጥ።

ብሩስያ ኣብ ከበባ ዝጸንሐት ዩክሬይን’ውን፣ ኣእካል ናብ ካልኦት ሃገር ክትሰድድ ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሑ፣ ኢትዮጵያ ናብ እትርከበን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ስርናይ ረዲኤት ከምዝልኣኸት ኣይርሳዕን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0