ሶማልን ኩባን፣ ድሕሪ 46 ዓመታት ዳግም ዝምድና መስሪተን

Radio Erena: 07 April 2023

ሶማል፣ ድሕሪ 46 ዓመታት ምስ ኩባ ዳግም ዝምድና ከምዝመስረተት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ኣብሺር ዑመር ጃማ፣ ብ4 ሚያዝያ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፣ ካብ 1972 ክሳብ 1977 ዝቐጸለ ዝምድና ሶማልን ኩባን፣ ነዚ ዝሓለፈ 46 ዓመታት ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ዳግም ከምዝተመስረተ ኣስሚርሉ።

እቲ ሚኒስተር ነዚ መልእኽቲ ዘሕለፈ፣ ኣምባሳደር ኩባ ኣብ ሶማል ኮይኑ ንዝተመዘዘ፣ ዮሃሃን ማኑኤል ሮድሪገዝ፣ ናይ ስራሕ ወረቓቕቱ ንፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ሞቛድሾ ኣቤት መንግስቲ ቪዛላ ሶማልያ ድሕሪ ምርካቡ’ዩ።

ኣብ 1977 ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተኻየደ ኵናት፣ ናይቲ እዋን’ቲ መራሒ ኩባ ዝነበረ ፊደል ካስትሮ ጸግዒ መራሒ ደርግ ነበር፣ ኮለነል መንግስቱ ሃይለማርያም ጸግዒ ሒዙ ብዝብል ወቐሳ፣ ብጀነራል ስያድ ባረ እትምራሕ ዝነበረት ሶማል፣ ምስ ኩባ ዝነበራ ከተቛርፅ ከምዝወሰነት ኣይርሳዕን።

መራሒ ኩባ ነበር፣ ፊደል ካስትሮ፣ ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ደምበ ዴሳውነት ተሓቝፈን ዝነበራ ኢትዮጵያን ሶማልን ንምሽምጋል ተበግሶ ከምዝወሰደ ዝዝከር ኮይኑ፣ ሶማል ነቲ ናይ ስምምዕ እማመ ብምጥቃስ ኵናት ከምዝወልዐት መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብር።

ኩባ ብወገና፣ ንኢትዮጵያ ንምሕጋዝ፣ ኣሽሓት ሰራዊትን ኣጽዋራትን ከምዝልኣኸት ይፍለጥ።

ብሰንኪ’ዚ ፍጻሜታት’ዚ ዝምድንአን ተበቲኹ ዝጸንሐ ሶማልን ኩባን፣ ኣብ ታሪኸ ዝምድንአን ሓድሽ ምዕራፍ ንምኽፋት፣ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከካይዳ ከምዝጀመራ ተንተንቲ የረድኡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0