ሩስያውያንን ግብጻውያን ጽዒና ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ደሃያ ጠፍኡ ዝጸንሐ ጃልባ፣ ዕላማ ዑደታ ኣብቲ ክሊ ማይ ኣጣራጢሩ

Radio Erena: 02 May 2023

ካብ 24 ሚያዝያ ኣትሒዛ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ደሃያ ጠፊኡ ዝጸንሐ፣ ሩስያውያንን ግብጻውያንን ዝጸዓነት ጃልባ፣ ዕላማ ዑደታ ኣጠራጣሪ ምዃኑ ተገሊጹ።

እታ ናይ መዘናጊዓ’ያ ዝተባህለት ጃልባ፣ ድሕሪ ሳልስቲ ብጠያይቲ ተበሳሲዓ ናብ ወደብ ጂቡቲ ድሕሪ ምጽግዓ፣ ሰለስተ ሩስያውያንን ክልተ ግብጻውያንን ተሳፈርታ ብሰላም ከምዝተረኽቡ’ዩ ተሓቢሩ።

እንተኾነ ድሒሩ ብዝወጽአ ሓበሬታ፣ እቶም ንምዝንጋዕ በታ ጃልባ ከምዝተበገሱ ዝተገልጹ ሓሙሽተ ሰባት፣ ኣብ ክሊ ማይ ኣብ ሓለዋ ንዝነበረት ናይ የመን ጃልባ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱላን ሓደ ኣባል ሓለዋ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ከዝቐተሉን ይስማዕ ኣሎ።

ሓይሊ ባሕሪ የመን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ተሳፈርቲ እታ ጃልባ ናብ ሓንቲ ኣብ ሓለዋ ባሕሪ ዝተዋፈረት ጀልባን ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ክልተ መራኽብን ቶዅሲ ከምዝኸፈቱ’ዩ ጠቒሱ።

ኣብ ዱባይ ዝርከብ ወናኒ ኩባንያ ናይታ ካሊዝማ ዝተሰምየት ጃልባ፣ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ቶዅሲ ከምዝኸፈቱን ነታ ጃልባ ጉድኣት ከምዘውረዱላን’ዩ ኣቐዲሙ ኣመልኪቱ።

ሓይሊ ባሕሪ የመን ብወገኑ፣ ቶዅሲ ዝኸፈቱ እቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ምዃኖም ብምምልካት፣ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ግብረ መልሲ ጥራይ ከምዝሃበ ኣረዲኡ።

እታ ጃልባ ዝኾነ ምልክትን ባንዴራን ከይንበልበለት፣ ናብ ክሊ ማይ የመን ድሕሪ ምእታዋ፣ ሓለዋ ባሕሪ ርክባት ንምክያድ ጻዕሪ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን ቶዅሲ ከምዝተኸፍተሉ ድማ’ዩ ከሲሱ።

ኣብ ምዝንጋዕ ዝነበሩ ሩስያውያንን ግብጻውያንን፣ ጠበናጁ ዓጢቖም ምስ ጀላቡ ክታኾሱ ምኽኣሎም ድማ ዕላማ ዑደቶም ኣጣራጣሪ ጌርዎ ዘሎ።

እታ ጃልባ፣ ካብ ግብጺ፣ ወደባት ከተማ ፖርት ስዒድ ተበጊሳ ኣብ መወዳእታ ዝተራእየትሉ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ክሊ ማይ ጂዛን’ዩ።

ሩስያ ትኹን ግብጺ ወይ ካልኦት ሃገራት፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተኻየደ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ መግለጺ ኣይሃባሉን።
==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0