ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ብናይ ወጻኢ ኩባንያታት ዝካየድ ወፍሪ ብ13% ኣንቆልቂሉ

Radio Erena: 08 July 2020

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ብናይ ወጻኢ ኩባንያታት ዝካየድ ወፍሪ ብልዕሊ 13% ከምዝጎደለ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣህጉራዊ ወፍሪ ብምትኳር ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

እቲ ጸብጻብ፣ ኣብ 2018 ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ 9 ቢልዮን ዶላር ናይ ወጻኢ ቀጥታዊ ወፍሪ ክካየድ እንከሎ፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ግና ናብ 7.8 ቢልዮን ዶላር’ዩ ወሪዱ።

ኣብዚ ዞባ፣ ብኩባንያታት ወጻኢ ዝዓበየ ወፍሪ ዝካየደላ ኢትዮጵያ፣ ካብ 3.3 ቢልዮን ዶላር ናብ ናብ 2.5 ቢልዮን ዶላር ኣንቆልቑሉ።

እዚ ድማ፣ ምስቲ ኣብታ ሃገር፣ ብፍላይ ኢንዱስትሪታት ፓርክ ኣብ ዝርከበሉ ክልላት ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ዝተተሓሓዘ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ኣሚቱ።

ብመሰረት እቲ ኣብ 2020 ዝወጸ ጸብጻብ፣ ኬንያ፣ ካብ 1.6 ቢልዮን ዶላር ናብ 1.3 ቢልዮን ዶላር ወይ ኣስታት 18% ምጉዳል ኣመዝጊባ።

ብኣንጻሩ፣ ተስፋታት ነዳዲ ዝተርእያ ኡጋንዳ፣ ብናይ ወጻኢ ኩባንያታት ዝካየድ ወፍሪ፣ ናብ 1.3 ቢልዮን ዶላር ምድያቡ፣ ብ20% ከምዝዓበየ’ዩ ጸብጻብ ጠቒሱ።

 

ኣብ ታንዛንያ፣ ኣብ 2018 ዝተምዝገበ ናይ 1.1 ቢልዮን ወፍሪ፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ብዙሕ ምቅይያር ኣይተራእዮን።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ሒዝናዮ ዓመተ 2020፣ ምስ ዘሎ ኩነታት ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ብናይ ወጻእ ኩባንያታት ዝካየድ ወፍሪ ካብ 25% ክሳብ 40% ምጉዳል ከርኢ እቲ ጸብጻብ ተተንቢዩ ኣሎ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ዝገዘፈ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ዝካየደለን ሃገራት፣ ኢትዮጵያ፣ ታንዛንያ፣ ኬንያን ኡጋንዳን ክኾና እንከለዋ፣ ኤርትራ፣ ጂቡቲ፣ ሶማልን ሱዳንን ድማ እተን ዝተሓታ’የን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0