ኣብ ሱዳን፣ ዝተተምየነ ባጤራ ከከፋፍሉ ዝጸንሑ ኣካላት ከምዝተታሕዙ፣ ክፍሊ ስለያ እታ ሃገር ኣፍሊጡ

Radio Erena: 08 July 2020

ኣብ ሱዳን፣ ዝተተምየነ ባጤራታት ከከፋፍሉ ዝጸንሑ ኣካላት ከምዝሓዘተ ክፍሊ ስለያ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ክፍሊ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ እቲ ምኩራት ኣባላት ዘለዎ ዝተተምየነ ናይ ዘቤታውያን ናይ ወጻኢን ባጤራታት ከከፋፍል ዝጸንሐ መርበብ፣ ብምክትታልን ሓይልታቱ ክብሳዕ ከምዝኸኣለ ገሊጹ።

ኣብቲ ንካልኣይ እዋኑ ዘከያዶ ስርሒት፣ ብድምር ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ትምዩን ባጤራን ንምሕታሙ ዝሕግዛ ክልተ ዝተራቐቓ መሳርሒታትን ምሓዙ ጠቒሱ።

ሱዳን፣ ብሰንኪ ተሸሚማቶ ዘላ ቁጠባዊ ቅልውላው፣ ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራን ዝቕባበን ትሕመስ ከምዘላ ይፍለጥ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ነዚ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣብ ምግዳድ ተራ ዝነበረን ዝበለን፣ ሓያሎ ትካላት ሸርፍን ሓዋላን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝዓጸወን ይዝከር።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0