ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ሎሚ ከብቅዕ’ዩ

ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ሎሚ ከብቅዕ’ዩ

Radio Erena: 30 December 2015

Nakfa

ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ሎሚ ሮቡዕ 30 ታሕሳስ 2015 ከብቅዕ’ዩ።

ይኹን’ምበር ባጤራ ናቕፋ ናይ ምቕያር ግዜ ሎሚ ኣብ ዝዛዘመሉ፣ ሓያሎ ወነንቲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ትካላት ዝነበሮም ባጤራ ክቕይሩ ከምዘይክኣሉ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝመጸና ሓበሬታ የረድእ።

መንግስቲ ብዝኣወጆ መሰረት ባጤር ናይ ምቕያር ግዜ ካብ 18 ሕዳር ክሳብ 30 ታሕሳስ 2015 ጥራይ ምዃኑ’ኳ እንተመልከተ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መስርሕ ምቕያር ዝተራእየ ዝተፈላለየ ምሰናኽላት ግና ብውሽጢ ውሽጢ ናይ ምቕያር መስርሕ ክቕጽል ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ይእምቱ።

እቲ ናይ ምቕያር መስርሕ ኣብ ባንክታት ጥራይ ክትግበር ምዃኑ ዝኣወጀ እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ከተማታት ኣብ ባንክታት ድሕሪ ዘጋጠመ ሪጋን ዕልቕልቕን ተገልገልት፣ ኣብ ምምሕዳራትን ኣብያተ ጽሕፈት ህግደፍን’ውን ምቕያር ከምዝከኣል ዝሕብር ሓድሽ ምልክታ ምውጽኡ ኣይርሳዕን።

እዚ’ውን እንተኾነ ነቲ ዝተፈጥረ ጸገም ክፈትሕ ብዘይምኽኣሉ፣ ነቶም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ናቕፋ ዝቕይሩ ወነንቲ ትካላት፣ ኣብ ምምሕዳራር ቕጥዒ ጥራት ብምምላይ፣ ነቲ ቕጥቖ ናብ ባንክ ብምርካብ ገንዘቦም ከየረከቡ ምስኦም ክጸንሕ ከምዝኽእል’ውን ተወሳኺ ምልክታ ምውጽኡ ይፍለጥ።

ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ ኣዋጅ ከኣ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ሎሚ 30 ታሕሳስ ከብቕዕ እኳ እንተኾነ፣ ነቲ ከይተቀየረ ተሪፉ ዘሎ ባጤራ ንምቕያሩ’ውን ተወሳኺ መስርሕ ክህሉ ከምዝኽእል’ዩ ዝግመት።

መንግስቲ ኤርትራ ንባጤራ ዝቕይረሉ ዘሎ ኣውራ ምኽንያት ካብ ባንክታት ወጻኢ ፋሉል ከይዱ ንዘሎ ብዝሒ ገንዘብ ኣውራ ከኣ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ኣብ ሱዳን ከሰላ፣ ኣብ ኢድ ውልቀሰባት ተታሒዙ ንዘሎ ብዝሒ ገንዘብ ንምቁጽጻር ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

መስርሕ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዕዳጋ ተወሳኺ ዘምርግጋእ ምፍጣሩ ዝፍለጥ’ዩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0