ሱዳን  ምስ ኤርትራ ዘለዋ ቱሪዝምን ኣብ ባህሊ ዝተመርኮሰ ዲፕሎማስን ንምዕባይ ትዝቲ

ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘለዋ ቱሪዝምን ኣብ ባህሊ ዝተመርኮሰ ዲፕሎማስን ንምዕባይ ትዝቲ

Radio Erena: 30 December 2015

Su Er

ሱዳን ምስ ኤርትራ ንዘሎ ቱሪዝምን ኣብ ባህሊ ዝተመርኮሰ ዲፕሎማስን ንምዕባይ ትዝቲ።

እቲ ዘተ ዝተኻየደ፣ ኣብ ባህልን ካልእ ሕብረተሰባዊ ንጥፈታትን እትዋሳእ ጉጅለ ሱዳን ናብ ኤርትራ ቅድሚ ምብጋሳ ኣብ ዝተኻየደ ምድላዋት’ዩ።

ተሓጋጋዚ ፕረዚደንት ሱዳን ሙሳ መሓመድ ኣሕመድ ንዋና ጸሓፊ ኣህጉራዊ ሕውነት ህዝብታት ዓብዱል ሞንየም ኣል ሱኒ ብ13 ታሕሳስ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተቀቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን፣ ብዛዕባ’ዚ ናይ ኤርትራ መደባት ዘትዮም።

 

ሱዳን ብዘይካ’ቲ ብዝተወደበ መልክዕ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ባህሊ ዝተመርኮሰ ዲፕሎማሲ፣ በብውልቖም ኣብ ኤርትራ ዑደት ናይ ዘካይዱ ሱዳናውያን በጻሕቲ ሃገር’ውን እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ዝርከብ ህዝብታት ክልትኤን ሃገራት ብዙሕ ባህላዊ ምትእስሳር ዘለዎ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ብሰንኪ ዝርአ ክብ-ለጠቕ ፖለቲካዊ ዝምድናታት ግና፣ ርክብ እዚ ጎረባብቲ ህዝብታት ከምቲ ዝድለ ክስጉም ኣይተራእየን።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0