ምምሕድር ትራምፕ፣ ኤርትራ እትርከበን 10 ሃገራት ብምግሃስ መሰል ሃይማኖት ይወቅስ

ምምሕድር ትራምፕ፣ ኤርትራ እትርከበን 10 ሃገራት ብምግሃስ መሰል ሃይማኖት ይወቅስ

Radio Erena: 08 January 2018

Karsheli

ምምሕዳር ትራምፕ ኤርትራ እትርከበን 10 ሃገራት መሰል ሃይማኖታት ብኸቢድ ይግህሳ ኣለዋ ክብል ወቒሱ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሓሙስ 4 ጥሪ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እተን ብምግሃስ መሰል ሃይማኖታት መወዳድርቲ ዘይብለን 10 ሃገራት ኢሉ ዝረቑሐን ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ኢራን፣ ቡርማ፣ ቻይና፣ ሰሜን ኮርያ፣ ታጂኪስታን፣ ቱርኪመንስታንን ኡዝበኪስታንን’የን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ መራሕቲ ሃምኖታት ዝርከብዎም ኣማኢት ኣመንቲ ዝተፈላለየ እምነታት ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣሲሩ ደሃዮም ከምዝጠፍኡ ጌሩ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ ብዘይካ’ዚ ንኣመንቲ ዝተፈላለዩ እምነታት፣ እምነትኩም ክሒድኩም ፈሪምኩም ካብ ቤት ማእሰርቲ ክትወጹ ትኽእሉ ኢኹም እናበለ ጸቕጢ ከምዝገብር ይፍለጥ።

ኤርትራ መሰል እምነት ዜጋታተን ብኸቢድ ካብ ዝግህሳ ሃገራት ተባሂላ ነዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራውያንን ኣህጉራውያንን ውድባት ክትውቀስ ጸኒሓ’ያ።

 ===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0