ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኹ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ በጺሑ

ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኹ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ በጺሑ

Radio Erena: 08 January 2018

Sud Ethio Generals

መንግስቲ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውባ ከባቢታት ከምዝዓጸወ ብወግዒ ድሕሪ ምፍላጡ፣ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኹ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሰደደ ማዕከናት ዜና ካብታ ከተማ ሓቢረን።

እቲ ብሌተናት ጀነራል ዒማድ ኣል ዲን ሙስጠፋ ዓዳዊ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ሱዳን፣ ብሰኑይ 8 ጥሪ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታዉ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ወትሃደራውያንን ናይ ጸጥታ ሰበ ስልጣንን መንግስቲ ኢትይጵያ ብምርኻብ ብዛዕባ ህሉው ምዕባለተት ሱዳን-ግብጺ-ኤርትራ ብዝምልከት ከምዝተዘራረበ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

 ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ጸጥታ ዶባተን ብሓባር ክሰርሓ ኣብ ዝብል ጉዳይ ኣቐዲመን ስምምዕ ከምዝኸተማ ኣይርሳዕን።

ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዘምርሕ ዘሎ፣ ፍሉይ ሓይሊ ምሊሻ ሱዳን ናብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ተዋፊርሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውባ ከባቢታት ዝዓጸወትሉ ምኽንያት ዛጊት ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበትሉን።

እንተኾነ ኣብ ርእሲ’ቲ ክካየድ ዝጸንሐ ዘይሕጋዊ ንግዲ ምስግጋር ባጤራን፣ ኤርትራ ንሰራዊት ግብጺ ኣብ መሬታ ኣአንጊዳ ኣላ ብዝብል ምኽንያት ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ግብጺ፣ ኣብ ኤርትራ ንዝመደበሮም ተቓወምቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን ሎጂስቲካዊ ደገፍ ብምብርካት፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ሱዳንን ጸቕጢ ንምግባር ትሰርሕ ከምዘላ’የን እዘን ሃገራት ዝወቕሳ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ከም ልማዱ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዶብ ሱዳን ኤርትራን ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታት ዛጊት ዝኾነ መብርሂ ኣይሃበሉን።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0