ምምሕዳር ትራምፕ ልዕሊ 65 ሶማላውያን ብግዴታ ናብ ዓዶም መሊሱ

Radio Erena: 13 March 2017

Somali Depo

ምምሕዳር ትራም፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሽዱሽተ ሃገራት ድማ ብፍላይ ዘሕለፎ ዝተኸለሰ ውሳኔ፣ ተግባራዊ ክኸውን ሒደት መዓልታት ተርፊዎ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ልዕሊ 65 ሶማላውያን ብግዴታ ናብ ዓዶም ከምዝተመልሱ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ብኣኽበረቲ ጸጥታን ኢሚግረሽንን ኣመሪካ ተሰንዮም ዝተጠርዙ ሶማላውያን ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ድሕሪ ምዕላባ፣ ሰበ ስልጣን ሓድሽ መንግስቲ ሶማል ከምዝተረከብዎም ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ትራም ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ ሶማላውያን ናብ ዓዶም ክጥረዙ እዚ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

መብዛሕቶም እዞም ብዘይድልየቶም ናብ ዓዶም ዝተመልሱ ሶማላውያን፣ ሃገራት ቆራሪጾም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣመሪካ ድሕሪ ምእታዎም፣ ዘቕረብዎ ሕቶ ዕቕባ ዝተነጽጉ’ዮም።

ዜጋታት ሶማል፣ ሱዳን፣ የመን፣ ሊብያ፣ ኢራንን ሶርያን ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ከልኪሉ ዘሎ ምምሕዳር ትራም፣ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዝርከብዎም ስደተኛታት ካልኦት ሃገራት’ውን ጸቕጢ ፈጢሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ካብ 16 መጋቢት ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ ዝተኸለሰ ውሳኔ ምምሕዳር ትራምፕ፣ ንዜጋታት እዘን ሽዱሽተ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይረኸቡን ሕቶ ዘቕረብዎ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተነጽገን ዜጋታት ኤርትራ ናይ እትርከበን ሃገራት’ውን ከይተረፈ ክጸሉ’ዩ።

ሓድሽ ውሳኔ ምምዳሕር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ካብ ዝእወጅ፣ ብውሕዱ ክልተ ኤርትራውያን፣ ብጉዳይ ኢምግሬሽን ተታሒዞም ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣንጸላልዩዎም ከምዘሎ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ይጠቕሱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0