ኣብ ዓሰብ፣ ከባቢ መደበር ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ ሓለዋ ዝተመደቡ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ብእኩብ ተኣሲሮም

Radio Erena: 10 March 2017

Assab Army

ኣብ ዓሰብ፣ ኣብ ከባቢ መደበር ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ ሓለዋ ዝተመደቡ ሓያሎ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ብእኩብ ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብእኩብ ዝተኣስሩ፣ ኣስታት 30 ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ መብዛሕቶም ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተመደቡ ምዃኖም እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ፣ እቶም እሱራት ካብ ዓሰብ ግዒዞም፣ ኣብ ከባቢ ባጽዕ ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ገደም ከምዝተወስዱ ይጠቕስ።

እቶም ኣባላት ሰራዊት ብእኩብ ዝተኣስርሉ ምኽንያት ብንጹር ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንምህዳም ውጥን ኔርኩም ብዝብል ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

መንግስቲ ኤርትራ ወሰኽ ደሞዝ ሰራዊት በብደረጅኡ ይትግበር ከምዘሎን መነባብሮ ኣባላት ስድራቤት ሰራዊት ክመሓየሽ ምዃኑን ኣብ ዝጉስጉሰሉ ዘሎ እዋን፣ መዓልታዊ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናይ ዝሃድሙ ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ብዝሒ እናነሃረ ይመጽእ ምህላዉ ብተደጋጋሚ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

 

ስእሊ፣ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0