ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኤርትራን ጅቡትን ዘሰሓሕበን ጉዳይ ናይ መወዳእታ ሰለማዊ መዓልቦ ክርከበሉ ጸዊዑ

ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኤርትራን ጅቡትን ዘሰሓሕበን ጉዳይ ናይ መወዳእታ ሰለማዊ መዓልቦ ክርከበሉ ጸዊዑ

Radio Erena, March 12, 2014

Arab League

ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ እቲ ንኤትርራን ጅቡትን ዘሰሓሓብ ጉዳይ ሰለማዊ መዓልቦ ክርከበሉ ጸዊዑ።

ማሕበር ሃገራት ዓረብ ነዚ ዝገለጸ ብሰንበት 9 ለካቲት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኮይኑ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ድማ ባይቶ ሃገራት ዓረብ ነቲ ብቐጠር ዝተወስደ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ከምዝድግፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

እቲ ንኤርትራን ጅቡትን ዘሰሓሓበ ቦታታት ራስ ዱሜራ ፣ ቅድሚ’ቲ ኵናት ናብ ዝተወልዐሉ ግንቦት 2008 ናብ ዝነበረ ኩነታት ክምለስ ብምትሕስሳብ ድማ፣ ክልቲኤን ሃገራት መግዛእታዊ ዶባት ከኽብራ ጸዊዑ።

 

ብዘይካ’ዚ’ውን ክልትኤን ሃገራት ዘየተግበርኦ ምቅይያር ምሩዃት ኵናት ብዝቐልጠፈ ክትግበርን ዝምድና ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ንቡር ዝምለሰሉ መስርሕ ክቐላጠፍን’ውን ተማሕጺኑ።

ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ነቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ 2010 ዘሕለፎ ውሳኔ’ውን ከምዘይጻረር ብምርግጋጽ፣ ዝምድና ጅቡትን ኤርትራን ናብ ንቡር ክምለስ እንተኽኢሉ ንጸጥታን ርግኣትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓጋዚ ምዃኑ’ውን ኣስሚርሉ።

ኤርትራን ጅቡትን፣ ኣብ ግንቦት 2008 ኣብ ከባቢታት ራስ ዱሜር፣ ኣብ ዝርከብ እምባ ሙሳ ዓለ ግጭት ከምዘካየዳ ዝፍለጥ’ዩ።

መንግስቲ ጅቡቲ እቲ ካብ ክልቲኤን ሃገራት ሓያሎ ወትሃደራት ዝሞትሉን ዝተማረኹሉን ኵናት ዶባዊ’ዩ ክብሎ እንከሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ብዶብ ዝተሳበበ ካልእ ሕቡእ ኣጀንዳ ግዳማውያን ሓይልታት ዘለዎ’ዩ ክብል’ዩ ዝገልጾ።

እቲ ምኽንያት ብዘይገድስ ድማ ንግስነት ቐጠር ነቲ ግጭት ንምሽምጋል ተብግሶ ብምውሳድ፣ ዳግማይ ግጭት ከይውላዕ ድማ ተዓዛቢ ሰራዊት እኳ እንተዋፈረት፣ ክሳብእዚ እዋን’ዚ ሻድሻይ ዓመቱ ረጊጹ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ይኩን ብይን ኣይተዋህበሉን።

ክልትኤን ጎረባብቲ ሃገራት ድማ፣ ኣብ ናይ መወዳኣት ስምምዕ ክበጽሓ ስለዘይክኣላ፣ መጻኢ ዕድል ናይቶም ኣብቲ ኵናት ዝተማረኹ ወትሃደራት ክልትኤን ሃገራት ኣብ ክውሰን ኣይከኣለን።
===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0