እስራኤል፣ ካብ ኢራን ናብ ዕጡቓት ቓዛ ዝተላእከ ኣጽዋር ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ክሊ ማይ ኤርትራን ሱዳንን ከምዝሓዘት ገሊጻ

እስራኤል፣ ካብ ኢራን ናብ ዕጡቓት ቓዛ ዝተላእከ ኣጽዋር ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ክሊ ማይ ኤርትራን ሱዳንን ከምዝሓዘት ገሊጻ

Radio Erena, March 12, 2014

Isra Ira

እስራኤል፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክሊ ማይ ኤርትራን ሱዳንን ተታሒዙ ዝበለቶ ኣጽዋር፣ ካብ ኢራን ናብ ዕጡቓት ፍልስጤም ዝዓለም’ዩ ኔሩ ክትብል ገሊጻ።

እታ ዝተፈላለየ ኣጽዋር ጽዒና ካብ ኢራን ዝተበገሰት መረከብ፣ ኣብ ክሊማይ ኤርትራን ሱዳንን ድሕሪ ምትሓዛ፣ እስራኤል ናብ ወደብ ኤላት ከምዘጸጋዕታ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ሓቢሩ።

ኣብታ መርከብ፣ ብቛንቛታት እብራይስጥን ዓረብ ጽሑፍ ዘለዎ ኣማኢር ሮኬታት፣ ሞርታራን ጠበናጁ፣ ተተኮስተን ከምዝነበረ ዝጠቐሰ ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል፣ እቲ ኣጽዋር ኣብ ወደብ ኤልታ እናተራገፈ’ውን ብመንገዲ ቴሌቪዥን እት ኣሃገር ንህዝቢ ዘርጊሑ።

 

እታ ናይ ፓናማ ባንዴራ እናምበልበተል ካብ ገማግም ባሕሪ ኢራን ዝተበገሰት መርከብ፣ ኣብ ክሊ ማይ ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ዝበጽሓትሉ፣ ብሮቡዕ 5 ለካቲት ሓይሊ ባሕሪ እስራኤል ሃንደበታዊ ከበባ ብምክያድ ነታ መርከብ ድሕሪ ምሓዝ ክፍትሻ ከምዝኽኣለ’ዩ ዝገልጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፣ ኣብቲ እቲ ኣጽዋር ዝተራገፈሉ ወደብ ኤልታ ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ዝተታሕዘ ኣጽዋር፣ ኢራን ኣብ ቓዛ ናብ ዝርከቡ ዕጡቓት ፍልስጤም ዝልኣኸቶ’ዩ ክብል እኳ እንተኸሰሰ ኢራን ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝሃበቶ ምላሽ የለን።

እቲ መርከብ ኣብ ክሊ ማይ ኤርትራን ሱዳንን ከምዝተታሕዘ እኳ እንተተገልጸ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብቲ ጉዳይ ምትሕብባር ኔርዎን ዶ ኣይነበረንን ንዝብል ግና እስራኤል ዝኾነ ኣንፈት ኣይሃበትን።

ሱዳን ተደጋጋሚ እዋን ንሓይሊ ባሕሪ ኢራን ብወግዒ ከተእንግድ እንከላን፣ ኤርትራ’ውን፣ ንኢራን ኣብ ከባቢታት ዓሰብ ወትሃደራዊ መዓስከር ንኸተቕውም ክትፈቕደላ ትክእል’ያ ዝብል ሓቕነቱ ዘይተረጋገጸ ወረ ይናፈስ’ዩ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0