ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢጋድ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ዘትዮም

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢጋድ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ዘትዮም

Radio Erena: 17 October 2017

igad

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ፣ ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ብምርኻብ ብዛዕባ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ተዘራሪቦም።

እቶም ሸውዓተ ሚኒስተራት ብዓርቢ 13 ጥቅምቲ ኣብ ጁባ፣ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፣ ተሰናኺሉ ዘሎ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ዳግም ንምብርባሩን ነቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉን ዝዓለመ’ዩ።

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ነቲ ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝተመርሐ ሚኒስተራት ኢጋድ ድሕሪ ምቕባሉ፣ ኢጋድ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ንምዕዋት ንዝወሰዶ ተበግሶ ኣመስጊኑ።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ ጅቡቲ፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ብወገኖም፣ ፕረዚደንት ኪር ብዛዕባ ኣብ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለታትን ዘለዎ ትዕዝብትን ብዝምልከት ወግዓዊ መብርሂ ክህብ ሓቲቶም።

ኤርትራ፣ ኣባል ኢጋድ እኳ እንተኾነት፣ እቲ ዞባዊ ውድብ ካብ ዘካይዶ ንጥፈታት ተገሊላ’ያ ትርከብ።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳየት ተነጺሉ ምህላዉ ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0