ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካልኣይ በዓል ስልጣን መዝነቱ ብወለንትኡ ንምሕዳግ ከምዝጠለበ ተሓቢሩ

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካልኣይ በዓል ስልጣን መዝነቱ ብወለንትኡ ንምሕዳግ ከምዝጠለበ ተሓቢሩ

Radio Erena: 18 October 2017

Bereket Simon

ንሓያሎ ዓመታት ሚኒስተር መራኸቢታትን ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኮይኑ ዘገልገለ ኣቶ በረኸት ስምኦን ካብ ብወለንትኡ ካብ ስልጣኑ ክእለ ከምዝሓተተ ዝተፋላለያ ማዕከንናት ዜና ካብ ኢትዮጵያ ሓቢረም።

ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ ኣብ ዘካየዶ ናይ ካቢ ሚኒስትራት ምልውዋጥ፣ ሓላፊ መጽናዕቲ ፖሊሲታት ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝተቐየረ ኣቶ በረኸት ስምኦን፣ ካብ ዝነበሮ መዝነት ክእለ ዝተለብ ደብዳቤ ከምዘቕረበ ዝግለጽ ዘሎ፣ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ብጉዳይ እቲ ኣብ ሃገር ተጎሃሂሩ ዘሎ ናዕብታትን ኣብ መንጎ ህዝብታት ኦሮሞን ሶማልን ዝካየድ ዘሎ ግጭታትን ዝተፈላለየ መርገጺታት ከምዝሓዙ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣቶ በረኸት ብዘይካ’ዝዊን ብደረጃ ሓላፊ ቦርድ ዳይረክተራት ባንክታትንግዲ ኢትዮጵያ ዝነበሮ መዝነት ከምዘረከበ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ጠቒሳ ኣላ።

እቲ ሓደ ካብ ላዕለዎትን እሙናትን ሰበ ስልጣን ኢህወደግ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣቶ በረኸት ስልጣኑ ዘረክበሉ ዘሎ ምኽንያት ዛጊት ብወግዒ ኣይሓበረን።

ኣቐዲሙ’ውን ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ መንግስት ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ እታ ሃገርን ዝነበረ ኣባዱላ ገመዳ ብተመሳሳሊ መስርሕ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ’ዩ።

ኢትዮጵያ ብውሽጣዊ ጉዳያታ ኣብ ፖለቲካዊ ወጥሪ ተሸሚማትሉ ኣብ ዘላ እዋን፣ ክልተ ገዳይም ኣባላት ኢህወደግን እሙናት ሰበ ስልጣን እቲ መንግስትን ብወለንትኦም ካብ መዝነቶም ክእለኡ ምሕታቶም፣ እቲ መንግስቲ ከይገማማዕ ተሰጊኡ ከምዘሎ ተንተንቲ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ርእይቶታቶም ይህቡ።

ኢትዮጵያ፣ ብዘይካ’ዚ ኣብ ኦሮሞ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞን ህዝባዊ ናዕብታትን ፣ ኣብ መንጎ ክልላት ኦሮሞን ሶማልን’ውን ተደጋጋሚ እዋናት ግጭት ይካየድ ምህላዉ ይሕበር።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0