መ. ኡጋንዳ ዝነጸጎ ኤርትራዊ፣ ናብ ኤርትራ ናይ ምጥራዝ ሓደጋ የንጸላልዎ

መንግስቲ እስራኤል ብድሌቱ ናብ ኡጋንዳ ክምለስ ወሲኑ ምብባል ናብ ካምፓላ ዘብጽሖ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ መንግስቲ ኡጋንዳ ክቕበሎ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ ናብ ኤርትራ ንምጥራዙ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ግብጺ ተታሒዙ ምህላዉ ተሓቢሩ።

    እዚ ተስፋምህረት ሃብተማርያም ዝተባህለ ኤርትራዊ መንእሰይ ብ26 ለካቲት ካብ እስራኤል ተበጊሱ፣ ኣብ ኡጋንዳ ድሕሪ ምእታዉ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኡጋንዳ ንኣርባዕተ መዓልቲ ተታሒዙ ከምዝጸንሐ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

    መንግስቲ ኡጋንዳ ነቲ ኤርትራዊ ክቕበሎ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ’ውን ብመንገዲ ግብጺ ናብ ኤርትራ ንምጥራዙ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ግብጺ ተታሒዙ ምህላዉ ኣዳላዊት መደብ ስደተኛታት ኣብ ሬድዮ ኤረና ሜሮን እስቲፋኖስ ኣረጋጊጻ።

    እቲ መንእሰይ ናብ ኤርትራ ንኸይጥረዝ ድማ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክሕግዝዎ ጻውዒት ተጌሩ ምህላው ተገሊጹ።

    እስራኤል ኣቐዲማ’ውን ኣብ ቀይዲ ሒዛቶም ንዘላ ኤርትራውያን ብድሌቶም ናብ ኡጋንዳ ወይ ኤርትራ ከምዝምለሱ ክኽትሙ፣ እንተዘይኮይኑ ድማ ኣብ ቀይዲ ክጸንሑ ከምዝሓበረቶም ብማዕከናት ዜና ተገሊጹ’ዩ።

    እስራኤል ብስዉር ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ ትጥርዝ ምህላዋ’ውን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይውቕስ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ እስራኤል ኣብዚ ዝሓለፈ 2012 ብኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝፍጸም ዘሎ ገበን ብ53 ሚእታዊት ዛይዱ ምህላዉ ከምዝገለጸ ሺንሁዋ ሓቢሩ።

    ብመሰረት ፖሊስ ተልኣቪቭ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ዓመተ 2012 ካብ ዝተመዝገበ 76, 371 ጉዳያት ገበን፣ እቲ 1048 ገበናት ብኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ዝተፈጸመ ምዃኑ የመልክት።

    ኣፈኛ ፖሊስ ቴልኣቪቭ ንሽንሁዋ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፣ ጠንቒ ምውሳኽ ገበን ብመሰረቱ ዋሕዚ ስደተኛታት ስለዝዛየደ’ዩ ክብል መረርኡ ኣስሚዑ።
እንተኾነ እቲ ኣውራ ጠንቒ ናይዚ እስራኤል፣ ንስደተኛታት ዝኾነ ናይ ስራሕ፣ ትምህርን ምንቅስቓስን ዕድላት ካብ ምሃብ ዓጊታ ህይወቶም ኣብ ሓዲግ ሒዛቶ ብምህላዋ ዝፈጠሮ ማሕበራዊ ቅልውላው’ዩ ክብሉ ተጠባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ናይ ፖሊስ እስራኤል ወቐሳ ይነጽግዎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0