ኢትዮጵያ ንመግለጺ በዓል ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ነጺጋቶ

ኢትዮጵያ ንእትሃንጾ ዘላ ሓጽቢ ብዝምልከት ብላዕለዋይ በዓል ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዋህበ መግለጺ፣ ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ።

    እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ስዑዲ ዓረብ፣ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶ ናይ ኢትዮጵያ፣ ነታ ኣብ ናይል እትሙርኮስ ግብጺ ብኸቢድ ክሃስያ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፣ እቲ ዝህነጽ ዘሎ ዲጋ ካብ ዶብ ሱዳን 12 ኪሎሜተር ጥራይ ዝረሓቐ ብምዃኑ፣ ቀንዲ ዕላምኡ ቁጠባዊ ዘይኮነ ፖለቲካዊ’ዩ ድሕሪ ምባል፣ ንሱዳንን ግብጽን ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ዝፈጥር’ዩ ክብል ኣስሚሩሉ።
    ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ተለቪዥን’ታ ሃገር ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘እቲ መግለጺ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓንቲ ሃገር ኢድ ምእታው ጥራይ ዘይኮነ፣ ንዝምድና ሃገራት ዓረብን ኣብ ፈለግ ናይል ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃን ብኣሉታ ዝትንክፍ እዩ’ ኢሉ።
    ብመሰረት ካብታ ሃገር ዝተረኽቡ ጸብጻባት፣ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየዱን ምስ ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኣብታ ሃገር ከምዝተዘራረቡን ተሓቢሩ።
    እንተኾነ ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ፣ እቲ ብላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሃገሩ ዝተዋህበ መግለጺ ውልቃዊ ርእይቶኡ ደኣምበር ንመርገጺ ስዑዲ ዓረብ ዝውክል ኣይኮነን ክብል መልሲ ድሕሪ ምሃብ፣ ምስ ንጉስ ዓብዱላህ ክዘራረብ ምዃኑ ሓቢሩ።
    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ እውን ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ሚኒስተር ፋይናንስ ስዑዲ ዓረብ ኢብራሂም ዓብዱልዓዚዝ ኣል-ሳፍ ከምዝተዘራረበ ተሓቢሩ።
    ኢትዮጵያ ነቲ 4.8 ቢልዮን ዶላር ባጀት ዝተሰላዓሉ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ሓጽቢ ኣብ 2011 ምህናጽ ኣብ ዝጀመረትሉ፣ ካብ ሱዳንን ግብጽን ተሪር ተቓውሞ ከምዘጋጠማ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0