መገሻ ፕ. ኢሳይያስ ናብ ሱዳን ተሰሪዙ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ሱዳን ከካይዶ ዝወጠነ መገሻ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ተሰሪዙ።

    ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብቲ 27 ጥሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ቅድሚ ምብጋሱ፣ ብዛዕባ ጉዳያት ደቡብ ሱዳን ምይይጥ ንምክያድ’ዩ ናብ ካርቱም ከምርሕ ወጢኑ ኔሩ።

    እንተኾነ፣ እቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ተወጢኑ ዝነበረ መገሻ እቲ ፕረዚደንት ናብ ካርቱም ጠንቁ ብዘይተነጸረ ምኽንያት ከምእተሰረዘ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

    ምስራዝ መገሻ ፕረዚደንት ናብ ሱዳን ምስቲ ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ፎርቶ ኣብ ዝርከብ ሚኒስትሪ ዜና ዘጋጠመ ኩነታት ምትእስሳር ክህልዎ ከምዝኽእል ዝተወከስናዮም ወገናት ግምታቶም ይህቡ።

    ጽምብል ምምስራት መበል 50 ዓመት ሕብረት ኣፍሪቃ ወርቃዊ ኢዮቤል ብወግዒ ኣብ ዝኽፈተሉ ዕለት 27 ጥሪ፣ ዓመታዊ ዝካየድ ስሩዕ ኣኼብ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ክጋባእ’ዩ።

    ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ንፕረዚደንት ኤርትራ ወኪሉ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ወይ ድማ ምክትሉ ኣቶ ቢንያም በርሀ ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።

    ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካብ ዝምስረት 50 ዓመቱ ኣብ ዝጽንብለሉ ዘሎ ወርቃዊ ኢዮቤል ዝዓበየ፣ ንኣፍሪቃ በዳህቲ ኮይኖም ዘለውን ገና’ውን ዘይተፈትሑን ከም ዘቤታውን ዶባውን ግርጭታት፣ ዕቃበ ኣከባብን ግብረ ሽበራን ዝኣመሰለኡ ጉዳያት እዛ ኣህጉር ክልዓሉ’ዮም።

    ጉዳይ እታ ሓዳስ ኣባል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነ ደቡብ ሱዳንን ምስ ሱዳን ዘለዋ ጉዳያት’ውን ሓደ ካብቲ ዝልዓለ ነጥብታት’ዩ።

    ኣብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ብኣካል ክሳተፍ ዘይክእል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን፣ እቲ ናይ መገሹ ምስ ኣልበሽር ሓሳባት ንምልውዋጥ ዝዓለመ’ዩ ኔሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0