ሰበር ዜና፣ ምቁጽጻር ሚኒስትሪ ዜና ብኣባላት ሰራዊት ኤርትራ

ኣብቲ ሚኒስትሪ ብእኩብ ከይወጹ ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና፣ ኣብዚ ቀረባ ናብቲ ትካል ዝተመደበት ጓል ንፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኤልሳ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ከምእትርከቦም’ውን ተረጋጊጹ ኣሎ።

    ንጋዜጠኛ ኣስመላሽ ኣብርሃ ድማ ብሓይሊ ብረት ብምግዳድ፣ ናይ ፖለቲካን ናይ ስግረ ዶብ እሱራትን ክፍትሑ ምዃኖም ቅዋም ድማ ክትግብር ምዃኑን ዝገልጽ ሓጺር መልእኽቲ ብቴሌቪዥን ከምዘመሓላልፍ ድሕሪ ምግባር’ዩ ፈነወ ቴሌቪዥን ኤርትራ ናብ ውስጢ ዓዲ ደው ኢሉ ዘሎ።

    እቲ ኩነታት ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፣ ሓያሎ ኣባላት እቲ ሚኒስትሪ ዜና ግና ፈተነ ዕልዋ’ዩ ዝብል ግምታት ሂቦም ኣለዉ።

    ነቲ ስርሒት መን ይመርሖ ከምዘሎ እኳ እንተዘይነተነጸር፣ ሽጉጥ ዝዓጠቑን ሬድዮ ርክባት ዝሓዙን ኣርባዕተ ዝኾኑ ኣዘዝቲ ሰራዊት ግና ካብን ናብን እቲ ቀጽሪ ክንቀሳቐሱ ተራእዮም።

    ኣብ ካልእ ክፋል ኣስመራ ግና ዝኾነ ዘይንቡር ንጥፈታት ዛጊት ከምዘይተራእየን ዝበዝሐ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ እዚ ኩነታት ኣይፈለተን ዘሎ።

    እቶም ብክልተ ወይ ሰለስተ ታንክታት ዝተዓጀቡ ኣስትት 100 ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ምስ ምሉእ ዕጥቖም፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ከባቢ 10 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ፎርቶ ንዝርከብ እንዳ ዜና ሃንደበት ድሕሪ ምኽባብ ከምእተቖጻጸርዎ ኣብቲ ሰዓት እቲ ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

    ክቡራት ሰማዕትና ነቲ ኩነታት እናተከታተልና ዝርዝሩ ኣብ ዝቕጽል

COMMENTS

WORDPRESS: 0