መንግስቲ ግብጺ ካብ መራሕቲ ኢትዮጵያ መብርሂ ይሓትት

Radio Erena: 03 January 2021

ግብጺ፣ ንጉዳይ ምምላእ ዲጋ ተሃድሶ፣ ውሽጣዊ ጸገማታ ንምሽፋን ትጥቀመሉ ኣላ ብምባል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝሃቦ ቃል፣ ነጺጋቶ።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ዝነበረ ዲና ሙፍቲ፣ መንግስቲ ግብጺ፣ ኣቓልቦ ህዝቡ ንምጥምዛዝ ዝጥቀመሉ ዘሎ ጉዳይ ፈለግ ናይል ከምዘተሓሳሰቦ ድሕሪ ምግላጹ፣ መንግስቲ ግብጺ ንፈጻሚ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ ሃገሩ ብምጽዋዕ ወግዓዊ መብርሂ ሓቲትሉ እዩ።
ኣብ ውሽጣዊ ቅልውላው ተሸሚማ ዘላ ኢትዮጵያ እያ ክብል መግለጺ ዘውጸአ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፣ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ተደራራቢ ፍሽለት ኣጋጢሙዋ ኣሎ ኢሉ።
ከምዝፍለጥ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ዶብ ተሰሓሒበን ናብ ወተሃደራዊ ጎንጺ ኣብ ዘምራሓሉ እዋን፣ ግብጺ ኣብ ጎድኒ ሱዳን ከምእትስለፍ ብወግዒ ኣፍሊጣ’ያ።
ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደገኛ ዝምድና ተጸሚዱ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዶባዊ ግጭት ሱዳንን ኢትዮጵያን ጸግዒ ሒዙ ኢድ እንተእትዩ፣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከንጸላልዎ ዝጸንሐ ሓደጋ ክወድቆን፣ ሓድሽ ኣንፈት ብምሓዝ ናብ ዝገደደ ጥፍኣት ክሽመም ከምዝኽእል ዲፕሎማሰኛታት የጠንቅቑ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0