ኢትዮጵያ፤ ‘ኣብ እዋን ናዕቢ ብሰራዊት መንግስቲ ዝተቀትሉ ይበዝሑ’ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ

Radio Erena: 03 January 2021

ድሕሪ ሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንደሳን ብዝሰዓበ ናዕብን ናይ ዝወረደ ዕንወት ከጻርይ ዝጸንሐ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ጸብጻቡ ብወግዒ ኣቕሪቡ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣብቲ እዋን’ቲ ብዝተላዕለ ናዕብን ሕንፍሽፍሽን ካብ ዝወረደ ሰብኣዊ ዕንወት እቲ ዝበዝሐ፣ ብሰራዊት መንግስቲ ከምዝተፈጸመ ኣፍሊጡ።
59 ገጻት ዝሓቖፈ፣ ብዕለት 1 ጥሪ ወግዓዊ ዝኾነ’ቲ ጸብጻብ፣ ኣብ እዋን’ቲ ሕንፍሽፍሽ፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝተፈጸመ እዩ ኣመልኪቱ።
ኣካላዊን ስነኣምሮኣዊን መቕጻዕቲ፣ ንብረት ምዕናው፣ ምምዝባል፣ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ምሕራም፣ መቕተልቲ፣ ገለ ካብ’ቶም ስርዓተ ሕጊ ከስፍኑ ትጽቢት ዝተገብረሎም ኣባላት መንግስቲ ከምዝተፈጸሙ እዩ ዝሕበር ዘሎ።
ስነጥበባዊ ሃጫሉ ምስተቐትለ፣ ኣብ 40 ከተማታት ኢትዮጵያ እዩ ናዕቢ ተላዒሉ። ኣብ መንጎ 29 ሰነን 2 ሓምለን ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ ልዕሊ 123 ሰባት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፣ 500 ከኣ ኣካላዊ መቑሰልቲ ገጢሙዎም። ኣብቲ ፍጻሜ፣ ሰባት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከምዝተቐትሉ’ውን ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ።
ብብሄር ዝተወዳደቡ መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዘውረዱዎ ግፍዒ፣ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣቐዲሞም ዒላማ ኮይኖም ዝጸንሑ ውልቀሰባት ብሰፊሑ ከምዝተኻየደ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ብወገኖም ብውሑዱ 76 ሰባት ክቐትሉ እንከለዉ፣ ን190 ሰባት ከኣ ኣቑሲሎም ክብል እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ኣብ መወዳእታ፣ ኮሚሽን ካሕሳን ዕርቅን ብቕልጡፍ ቆይሙ፣ ቤተሰብ ግዳያት ዝከሓሱሉን፣ ገበነኛታት ሕጋዊ ፍርዶም ዝረኽቡሉን ባይታ ክጣጣሕ እቲ ኮሚሽን ጸዊዑ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0