መንግስቲ ዚምባብዌ፣ ኣብ ምሕናቕ ንሞት ዝተፈርዱ እሱራት ዝዋፈሩ ሰራሕተኛታት ንምቁጻር ምልክታ ኣውጺኡ

መንግስቲ ዚምባብዌ፣ ኣብ ምሕናቕ ንሞት ዝተፈርዱ እሱራት ዝዋፈሩ ሰራሕተኛታት ንምቁጻር ምልክታ ኣውጺኡ

Radio Erena: 19 October 2017

zim hungመንግስቲ ዚምባብዌ፣ ኣብ ምሕናቕ ንሞት ዝተፈርዱ እሱራት ዝዋፈሩ ሰራሕተኛታት ንምቁጻር ብዘውጽኦ ምልክታ፣ 50 ሰባት ከምዝተመዝገቡ ጋዜጣ ደይሊ ኒውስ ካብታ ሃገር ሓቢራ።

ዚምባብዌ፣ ከቢድ ገበን ንዝፈጸሙ እሱራት ብሞት ምቕጻዕ ትቕጽሎ እኳ እንተላ፣ ካብ 2005 ንደሓር ግና ኣብ ግብሪ ከየውዓለቶ’ያ ጸኒሓ።

ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ነበር ኤመርሶን ምናንጋዋ፣ ኣብ ስልጣን ኣብዝ ነበረሉ፣ ናይ ሞት ፍርዲ ካብ መቕጽዒ ገበናዊ ሕጊ እታ ሃገር ንምእላዩ እኳ እንተሰርሐ ኣይተዓወተን።

 

እቲ ኣንጻር ናይ ሞት ፍርዲ ተሪር መርገጺ ዝጸንሖ ሚኒስተር ፍትሒ፣ ፕረዚደንት ሙጋበ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ናይ ካቢነ ሚኒስተራት ምልውዋጥ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

ጸሓፊት ሚኒስትሪ ፍትሒ ቨርጂንያ ማብሃዝያ ብዝሃበቶ መብርሂ፣ ነቲ ስራሕ ዝደለዩ 50 ሰባት ተመዝጊቦም ከምዘለዉ ብምርግጋጽ፣ መዓስ ናብ ስራሕ ከምዝምደቡ ግና ኣየነጸረትን።

ኣብ ዚምባብዌ 92 ንሞት ዝተፈርዱ እሱራት ከምዘለዉ ዝሓበረት ጋዜጣ ደይሊ ኒውስ፣ ብሰንኪ ስእነት ኣብ ምሕናቕ ዝዋፈሩ ሰራሕተኛታት፣ እቲ ናይ ሞት ውሳኔኦም ከይተተግበረ ከምዝጸንሐ ኣመልኪታ።

ዚምባብዌ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብቅልውላው ባጤራን ሽቕለት ኣልቦነትን ትሕመስ ብምህላዋ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዜጋታት እታ ሃገር ተቐባልነት ኣብ ዘይነበሮ ስራሕ ንምውፋር 50 ሰባት ሓቲቶም ይርከቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0