ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣልሸባብ ኣብ ምጽራግን ጸጥታን ሶማል ኣብ ምውሓስ መንግስቲ ሶማል ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕርታት ከምዝድግፍ ገሊጹ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣልሸባብ ኣብ ምጽራግን ጸጥታን ሶማል ኣብ ምውሓስ መንግስቲ ሶማል ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕርታት ከምዝድግፍ ገሊጹ

Radio Erena: 18 October 2017

President Isaias

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ብምኽንያት እቲ 500 ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ዝገበረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ናብ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላህ ፋርማጆ ኣብ ዝልኣኾ ናይ ሓዘን መልእኽቲ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ብ17 ጥቅምቲ ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ ኣብ ሶማል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንመንግስቲ ህዝብን ኤርትራን ከምዘጉሃዮ ብምግላጽ፣ መንግስቲ ሶማል ብመሪሕነት ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ኣልሸባብን ካልኦት ሓይልታት ሽበራን ናይ ምጽራግን ጸጥታ ናይ ምውሓስን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ኣብ ጎኑ ደው ከምዝብል ገሊጹ።

ካብ ዞባዊ ጉዳያት ተነጺሉ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ሶማል ዝኾነ ዓይነት ዝምድና ከምዘይብሉ ዝፍለጥ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ሶማል ደብዳቤ ክልእኽ: መንግስቲ ሶማል ካብ ዝቐውም ኣብዚ ዝሓለፉ ልዕሊ 10 ዓመታት ንፈለማ እዋኑ’ዩ።

ብኣንጻር’ዚ መንግስቲ ሶማል፣ ኤርትራ ኣልሸባብ ምስ ዝርከቦምም ዝተፈላለዩ ሽበራውያን ጉጅለታት ሶማል ከምእትተሓባበር’ዩ ዝወቕስ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ’ውን፣ ኣልሸባብ ምስ ዝርከቦም ሽበራውያን ጉጅለታት ይተሓባበር ኣሎ ብዝብል ክሲ ምዃኑ ኣይርሳዕን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0