መንግስቲ እስራኤል 14 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ መሊሱ

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ነገቭ፣ ቤት ማእሰርቲ ሳሃሮኒም ዝጸንሑ 14 ኤርትራውያን ትማሊ ሰንበት ናብ ኤርትራ ከምዝመለሶም ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
እቶም ኤርትራውያን ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ብድሌቶም ናብ ኤርትራ ክምለሱ ከምዝሓተቱ’ዩ መንግስቲ እስራኤል ዝገልጽ።

    ናብ ኤርትራ ኣብ ዝምለስሉ’ውን ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ኣቶ ተኸስተ ተስፋማርያም ከሰንዮም ምዃኑ ጸብጻብ ዮርሳሌም ፖስት ክሕብር ጸኒሑ’ዩ።
እንተኾነ፣ እቶም መንግስቲ እስራኤል ብድሌቶም ናብ ኤርትራ ክምለሱ ሓቲቶም ዝበሎም 15 ኤርትራውያን፣ ብኣስትርጓሚ ዳግማይ ክሕተቱን ብድሌቶም ይምለሱ ምህላዎም ብቪድዮ ዝተሰነየ መረጋገጺ ቃል ክህቡን ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር የሁዳ ዌንስተን ሓቲቱ።

    መንግስቲ እስራኤል፣ ናብታ ሃገር ሰሊኾም ኣትዮም ዝበሎም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ነናብ ዓዶም ክሳብ ዝምለሱ  ኣብ በረኻ ነገቭ ኣብ ዝተደኮነ ቤት ማእሰርቲ ሳሃሮኒም ብዘይዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ን3 ዓመታት ክእሰሩ’ዩ ዝውስን።

    እንተኾነ ጉዳይ ኤርትራውያን ብደረጃ ዓለም ፍሉይ ቆላሕታ ዝወሃቦ ብምዃኑ፣ እስራኤል ነቶም ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምስጓጎም ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐት’ያ እትጠቕስ።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ምስጓግ ክትጅምር ምዃና ደጋጊማ ትሕብር።

    እስራኤል ነቶም ናብ ኤርትራ ዝመለሰቶም 14 ኤርትራውያን ንልዕሊ ሰለስተ ዓማታት ኣብ ጽኑዕ ማእሰርቲ ክጸንሑ ወይ ድማ ናብ ዓዶም ክምለሱ ብምፍርራሕ በስገዳድ ናብ ኤርትራ ከምዝመለሰቶም’ዮም ዝወቕሱ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ናብ እስራኤል ንተወሳኺ ትምህርቲ ካብ ዝተላእኩ ሸሞንተ ቴክኒሻናት መንገዲ ኣየር ኤርትራ እቶም ኣርባዕተ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ንምሕታት ከምዝተረፉ ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0