ኤርትራዊ ብርሃነ መብራህቱ፣ ሸሞንተ ወርሒ ክእሰር ተፈሪዱ

ካብ ፈረንሳን ካብን ናብን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ስደተኛታት ከሰጋገር ጸኒሑ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ መንእሰይ ብርሃነ መብራህቱ፣ ሸሞንተ ወርሒ ክእሰር ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

    እቲ ሳን ኢለኽ ኮት ኣብ ዝተባህለ ቦታ፣ ኣብ ፍርዲ ዝቐረበ ወዲ 23 ዓመት ኤርትራዊ፣ ብዘይካ’ዚ ንሸሞንተ ወርሒ ክእሰር ዝተዋህቦ ብይን፣ ንሓሙሽተ ዓመታት መሬት ፈረንሳ ከይረግጽ’ውን ውሳኔ ተዋሂብዎ ኣሎ።

    ብርሃነ መብራህቱ፣ ብፖሊስ ድሕሪ ምትሓዙ፣ ዝተፈላለየ ኣስማታ እናሃበ ዑቕባ ክሓትት ብምጽኑሑ ኣብ ናይ ፖሊስ ሰነድ ሰለስተ መንነት ከምዝጸንሖ’ውን እቲ ካብቲ ቦታ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ የመልክት።

    ፖሊስ  ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ እቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ስደተኛታት ከሰጋግር ብጭብጢ ከምእተታሕዞ እኳ እንተሓበረ፣ ብርሃነ ግና ከም ብዙሓት ኤርራትራውያን ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ከምዝሓሰበ እምበር ኣብ ምስግጋር ስደተኛታት ከምዘይነጠፈ’ዩ ተጣቢቑ።

    እቲ ቤት ፍርዲ፣ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ግዱድ ውትህድርናን ከምኡ ድማ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ናብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ስደተኛታት ዑቕባ ዝወሃቦም እኳ እንተኾነ፣ ካብን ናብን ዝተወደበ ምስግጋር ምህላዉ ግና ገሊጹ።

    ኤርትራዊ ብርሃነ መብራህቱ ድማ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ዝተወደበ ምስግጋር ክነጥፉ ዝጸንሑ ምዃኑ እቲ ቤት ፍርዲ የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0