መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ንምግልጋሉ ፊንላንድ ጻዕርታታ ክትቕጽል ምዃና ተገሊጹ

መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ንምግልጋሉ ፊንላንድ ጻዕርታታ ክትቕጽል ምዃና ተገሊጹ

Radio Erena: May 28, 2014

Pekka

ሚኒስተር ኣህጉራዊ ልምዓትን ምትሕግጋዝን ፊንላንድ ፔካ ሃቪስቶ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ንኻልኣይ ግዜኡ ናብ ኤርትራ ዑደት ከካይድ ምዃኑ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ዕላማ ዑደት እቲ ሚኒስተር፣ ኣብታ ካብ ዞባውና ኣህጉራውያን ጉዳያት ተነጺላ እትርከብ ኤርትራ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ንምክትታልን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ንምዝርራብን ምዃኑ እቲ መግለጺ የመልክት።

እቲ ብ26 ግንቦት ዝወጸ መግለጺ፣ ኤርትራ ካብቲ ንሓያሎ ዓመታት ዘጋጠማ ተነጸሎ ንምግልጋል ተበግሶታት ተርኢ ከምዘላ ብምጥቃስ፣ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ናብ ንቡር ንጥፈታተን ከምዝተመልሳ’ውን ኣመልኪቱ።

 

እቲ ሚኒስተር ኣቐዲሙ’ውን ኣብ መጀምርያ ወርሒ ናይዚ ዓመት ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ዑደት ከምዘካየደ ኣይርሳዕን።

ብሰንኪ ገቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ዝምድናታትን፣ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ዝምድንኡ ናብ ንቡር ንምምላስ ብዝልዓለ ካብ ዝዋስኣ ዘለዋ ሃገራት እታ ጸግዒ ኣይትወስድንያ ተባሂላ እትገለጽ ፊንላንድ ምዃና’ዩ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ይጠቕሱ።

ሚኒስተር ፔካ ሃቪስቶ ናብ ሱዳን’ውን ተመሳሳሊ ዑደት ከካይድ’ዩ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፊንላድን፣ ቅድሚ ናብ ሱዳንን ኤርትራን ምብጽሑ፣ ምስ ዋና ጸሓፊ ዘይመንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት ማለት ኢጋድ ማሕቡብ ሙዓሊም ክዘራረብ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ስልታዊ ዝምድና መስሪተን ዝርከባ ኤርትራን ሱዳንን፣ ብእገዳ ዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኮይነን፣ ካብ ተነጽሎ ንኽገላገላ፣ ሓያሎ ዲፕሎማስያዊ ጎስጓሳት ኣብ ምክያድ ይርከባ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0