ኖርወይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንዝሃበቶም ኤርትራውያን፣ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን  ከይገሹ ዝኽልኽል ሓድሽ ሕጊ ተተኣታቱ ኣላ

ኖርወይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንዝሃበቶም ኤርትራውያን፣ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከይገሹ ዝኽልኽል ሓድሽ ሕጊ ተተኣታቱ ኣላ

Radio Erena: May 28, 2014

UDI

ክፍሊ ኢምግሬሽን ኖርወይ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወሃቦም ከም ፓስፖርት ዘገልገልን ናይ መጓዓዝያ ሰነድ፣ ናብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን’ውን ንከይገሹ ዝኽልክል ክኸውን ሓድሽ ውሳነ ከምዘመሓላለፈት ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ክፍሊ ከምዘመሓላለፎ ዝግለጽ ዘሎ ሕድሽ ሕጊ ብዝርዝር እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ብስም ኤርትራውያን ኣብታ ሃገር ዑቕባ ዝሓተቱ ዜጋታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብብዝሒ ናብ ሃገሮም ይመላለሱ ስለዘለዉ’ዩ ዝብል ግምታት ይወሃቦ።

 ኣብ ነርወይ ዑቕባ ዝሓተቱ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራውን ብ መንገዲ ሱዳን ናብ ኤርትራ ክመላለሱ ዕድል ስለዝረኽቡ፣ ክፍሊ ኢምግሬሽን ነርወይ ነዚ ንምግታእ ዝኾነ ብስም ኤርትራ ዑቕባ ዝሓተተ ስደተኛ ናብ ሱዳን’ውን ከይገይሽ ክኽልከል’ዩ።

 ኣሽሓት ዜጋታት ኢትዮጵያ ብስም ኤርትራውያን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ከምዝተዋህቦምን፣ ናብ ሃገሮም ኢትዮጵያ ድማ ብዘይዝኾነ ጸገም ከምዝመላለሱን ዝፍለጥ’ዩ።

ብመሰርት ሕጊ ስደተኛታት፣ ዑቕባ ዝተዋህቦ ዝኾነ ዜጋ ናይ ሃንቲ ሃገር፣ ናብ ሃገሩ እንተተመሊሱ እቲ ናይ ስደተኛ መሰሉ’ዩ ዝሕደግ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0