መንግስቲ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ምህላዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደጊሙ ኣረጋጊጹ

መንግስቲ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ምህላዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደጊሙ ኣረጋጊጹ

Radio Erena: February 4, 2014

HUm Ri

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኤርትራ ናይ እትርከበን 42 ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምግምጋም፣ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ መንግስቲ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ምህላዉ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

እቲ ካብ 27 ጥሪ ኣትሒዙ ክሳብ 7 ለካቲት ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ፣ ትማሊ ኣብ ናይ ኤርትራ ብምትኳር ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ሰብኣዊ መሰላት፣ መንግስቲ ኤርትራ ሃንደታውን ኣልማማን ምእሳር ዜጋታት፣ እሱራት ምግፋዕን ምስቓይን፣ እሱራት ናብ ፍርዲ ከይቀርቡ ምኽልካልን፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርና፣ መሰል እምነታት ውልቀሰባት ምግሃስ፣ ብሰንኪ እምነቶም ድማ ዜጋታት ብዘይፍርዲ ምእሳርን ምስቓይን ዝኣመሰሉ ኣዝዮም ብዙሓት መሰላት ደቂ ኣዳም ይግህስ ምህላዉ ብመርትዖ ተሰንዩ ቀሪቡ።

 

ኣብቲ ሓያሎ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ስደት ዝርከቡ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ዑድማትን ዝተረኽብሉ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ገምጋም ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ’ እዚ ኩሉ ዝቐረበ መርትዖታት ሓሶት’ዩ ክብል ክሒድዎ። 

ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ፣ በንጻር ኤርትራ ግዳያ እቲ ብባይቶ ጸጥታ ዝተነብረላ እገዳ ኮይና ምህላዋ ብምጥቓስ፣ ዝቐረበላ ዘሎ ክሲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ድማ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ እንተዘይኮይኑ ሓቕነት የብሉን ክብል’ዩ ከረድእ ፈቲኑ።

እንተኾነ ጠንቂ ዋሕዚ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራ ናብ ስደት፣ ጠንቁ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይኮነን።
=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0