ኤርትራ፣ ካብ ዒራቕ ነዳዲ ንምሽማት ትጠልብ

ኤርትራ፣ ካብ ዒራቕ ነዳዲ ንምሽማት ትጠልብ

Radio Erena: February 5, 2014

IraQi Refin Oil

ዋሕዲ ነዳዲ ሓደ ካብ ዓበይቲ ብድሆታት ኮይንዎ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ዒራቕ ነዳዲ ንምሽማት ጠለብ ኣቕሪቡ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ነዚ ዘረጋገጸ ሚኒስተር ነዳዲ ዒራቕ ዓብዱል ከሪም ሉዋቢ፣ ብዘይካ ካብ ኤርትራ፣ ካብ ሱዳን’ውን ተመሳሳሊ ጠለብ ቀሪብሎም ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሊብያ፣ ኢራንን ብመጠኑ ድማ ካብ ሱዳን ነዳዲ ክሽመት ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ካብ ዒራቕ ንምሽማት ጠለብ ምቕራቡ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

 

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዒራቕ ነዳዲ ንምሽማት ጠለብ ምቕራቡ፣ ንመጓዓዝያ መራኽብ እቲ ዝሓጸረ ስለዝኾነ’ዩ።

ዒራቕ፣ መዓልታዊ ኣስታት 3 ሚልዮን በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ዓለም ተቕርብ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሻምብቖታት ነዳዲ ብዝተኻየደ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ፣ እቲ ሰደድ ጎዲሉ ከምዘሎ’ዩ ዝጥቐስ።

ካብዚ ወርሒ’ዚ ኣትሒዛ ግና እታ ሃገር ምስቲ ካብ ኤርትራ፣ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ቀሪቡላ ዘሎ ጠለብ፣ ናብ ወጻኢ እትልእኮ ነዳዲ ናብቲ ዝነበሮ ክምለስ ትጽቢት ኣሎ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝኸበረ ዋጋ ነዳዲ ዝሽየጠለን ሃገራት ዓለም’ያ። ነዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ድማ ዋሕዲ ነዳዲ እቲ ቀንዲ ማሕንቖ ኮይኑዋ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0