መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ’ቲ ልምዓታዊ ሓገዝ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ይዝቲ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ’ቲ ልምዓታዊ ሓገዝ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ይዝቲ

Radio Erena: 01 October 2015

Eu Eritrea

መንግስቲ ኤርትራ፣ ሕበረት ኤውሮጳ ዝሰልዓሉ ናይ ልዕሊ 200 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ንምቕባል ሙሉእ ድሌት ከምዘለዎ ብምርግጋጽ፣ ምስ ሰበ ስልጣን እቲ ሕብረት ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ፣ ቅድሚ ሕጂ ንዝቀርበሉ ዝነበረ ሓገዝ፣ ንገሊኡ ክነጽጎን ንገሊኡ ከኣ ድማ ቅድመ ኩነት ከቕርበሉን እኳ እንተጸንሐ፣ ነዚ ሕጂ ተዳልዩ ዘሎ ብዝሒ ገንዘብ ግና ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ መስርሕ ጥራይ’ዩ ዝዝትየሉ ዘሎ።

እቲ ልምዓታዊ ሓገዝ ንመንግስቲ ኤርትራ ንኸይወሃብ፣ ብሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መስላት ዝቀረብን ዘሎ ጥርዓናት ኣሰናኺልዎ ከምዝጸንሐ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ክኽተም ምዃኑ ግና ካብ ብራስለስ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።

 

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝልገሰሉ ናይ ልዕሊ 200 ሚልዮን ኤውሮ ባዕሉ ክቆጻጸሮ ከምዝደሊ እኳ እንተገለጸ፣ እቲ ሕብረት ግና ነዚ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይፈቕድ’ዩ ዝገልጽ።

ሕብረት ኤውሮጳ ንሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዝሰልዖ 1.8 ቢልዮን ኤውሮ፣ ብኮታ ክርአ እንከሎ እቲ ዝበዝሐ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐንዐ’ዩ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፣ ናብ ኤውሮጳ ካብ ዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብዝሒ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ስለዝስራዕ’ዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ እቲ ንኤርትራ ዝልግሶ ልምዓታዊ ሓገዝ፣ ንዋሕዚ ስደት ክገትኦ’ዩ ዝብል እምነት እኳ እንተለዎ፣ ኣውራ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን ግና ቁተባዊ ዘይኮነ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምዃኑ ኣህጉራውያን ትካላት የረጋግጻ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0