ናብ ሑቲ ዝቀንዐ ኣጽዋር ዝጸዓነት ናይ ኢራን ጃልባ ከምዝተታሕዘት ተገሊጹ

ናብ ሑቲ ዝቀንዐ ኣጽዋር ዝጸዓነት ናይ ኢራን ጃልባ ከምዝተታሕዘት ተገሊጹ

Radio Erena: 01 October 2015

Yemen Iran

ናብ ሑቲ ዝቀንዐ ኣጽዋር ዝጸዓነት ናይ ኢራን ጃልባ ከምዝተታሕዘን ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ወትሃደራዊ ኪዳን ሃገራት ወሽመጥ ሓቢሩ።

እታ ጸረ ታንክን ድሩዓት መካይንን ካልእ ቦምባታን ዝጸዓነት ጃልባ፣ ናብ ገማግም ባህሪ ዖማን ኣብ ዝቀረበ ኣብ ባሕሪ ዓረብ ወይ ወሽመጥ ፋርስ ከምዝተታሕዘት’ዩ ዘመልክት እቲ ናይቲ ኪዳን መግለጺ።

14 ኢራናውያን ሰራሕተኛታት ናይታ ጃልባ’ውን ተቀይዶም ከምዘለዉ እኳ እንተሓበረ፣ ካብ ወገን ኢራን ዛጊት ዝተዋህበ ምላሽ የለን።

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ሑቲ ብኢራን ከምዝድገፍ’የን ዝገልጻ።

 

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0