መንግስቲ ኢትዮጵያ  ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ዝነብሩ ውልቀሰባት ጽኑዕ ናይ ሳይበር ምክትታል ይገብር

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ዝነብሩ ውልቀሰባት ጽኑዕ ናይ ሳይበር ምክትታል ይገብር

Radio Erena: 17 December 2017

citizenlab1መንግስቲ ኢትዮጵያ  ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ዝነብሩ ውልቀሰባት ጽኑዕ ናይ ሳይበር ምክትታል ከምዝገብር ተገሊጹ።

ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ ‘ሲቲዘን ላብ’ ኣብ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፣ ኣብ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያን ካልኦት ሓያሎ ሃገራት ዝነብሩ ተወላዶ ኦሮሞ ዝኾኑ ተጣበቕቲ መሰላት፣ ሰራሕተኛታት ሜድያን ካልእ ሞያ ዘለዎም ውልቀሰባት ኮምፕዩተራቶም ብምጥላፍ ጽኑዕ ምክትታል ከምዝገብረሎም ኣነጺሩ።

እዚ ካብ እስራኤላዊ ትካል ከምዝተገዝአ ዝፍለጥ ናይ ኮምፕዩተር ቫይረስ ብመልክዕ ናይ ኢመይል መልእኽቲ ምስ ተሰደ፣ ምሉእ ሓበሬታ ዘመሓላልፍ ክኸውን እንከሎ፣ ዛጊት ናይ 43 ፍሉጣት ውልቀሰባት ኮምፕዩተራት ጠሊፉ ኣሎ።

እቶም ክኢልታት መጽናዕቲ ኣብ ዘካዪዱሉ ዝነበሩ እዋን፣ ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ገለ ትካላትን መንግስታዊ ቤትጽሕፈታትን እውን በዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ግዳያት ከምዝኾና ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ’ሎ።

እቲ ናብ ውልቃዊ ኣድራሻ ዝለኣኽ ኢመይል፣ ካብ ህቡባት ኤርትራውያን መርበባት ሓበሬታ ከምዝተላእከ ዘምስል ኮይኑ፣ ነቲ ዝተላእከ ቪድዮ ንምርኣይ ኣብ ዝፍተነሉ እዋን፣ እቲ ኮምፕዩተር ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር’ቲ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ሳይበር ስለያ ትካል ከምእትኣቱ ይገብር።

ነቲ ናይ ስለያ ሶፍትወር ዝሸጠ እስራኤላዊ ትካል ብዛዕባ’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ውልቀሰባትን ትካላት መንግስትን ዘይሕጋዊ ምክትታል ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፣ ቀንዲ ኣገልግሎት’ቲ ሶፍትወር ግብረሽበራ ንምቁጽጻርን ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምሕላውን ደኣምበር ውልቃዊ ህይወት ዜጋታት ንምቁጽጻር ኣይኮነን ይብል።

ብሲቲዘንላብ ዝቐረበ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ 2016 ጀሚሩ ነዚ ውልቀሰባትን ትካላትን ናይ ምክትታል መስርሕ ከምዝጀመሮን፣ ነቲ ምክትታል ዘካይድ ማእከል ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝርከብን የመልክት።

ኣቐድም ኣቢሉ’ውን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝነጥፍ ናይ ጸጥታ ትካል ማለት Ethiopia’s information network security agency (INSA) ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሮም ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት ናይ ምጥላፍ ፈተነታት ከምዘካየደ ይግለጽ።

ገለ ካብ’ቶም በዚ ናይ ስለያ ትካል ተጠቒዖም ዘለዉ ውልቀሰባትን ትካላትን ኣብ ኤርትራ፣ ካናዳ፣ ጀርመን፣ ኣውስትራልያ፣ ኣመሪካ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ሓያሎ ሃገራትን ይርከቡ።

============================== 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0