ሊብያ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ 74 ዜጋታት ኤርትራን ሶማልን ናብ ኒጀር ግዒዞም

ሊብያ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ 74 ዜጋታት ኤርትራን ሶማልን ናብ ኒጀር ግዒዞም

Radio Erena: 18 December 2017

Libya Niger

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ 74 ዜጋታት ኤርትራን ሶማልን ብ14 ታሕሳስ ናብ ኒጀር ከምዘግዓዘ ኣፍሊጡ፣

እቶም ብ ሓገዝ UNHCR፣ ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ግዒዞም ዘለው ዜጋታት ኤርትራን ሶማልን 51 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን 22 ደቂንስትዮን ሓደ ወድን’ዮም፣

ካብቶም 51 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ እቶም 47 ብዘይኣላዩ ኣብ ሊብያ ዝጸንሑ ምዃኖም ዝሓበረ UNHCR፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ’ውን ተወሰኽቲ ካብ ሊብያ ከውጽእ ምዃኑ ገሊጹ።

UNHCR ኣብ ወርሒ ጥሪ 2018፣ ኣስታት 700 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ከግዕዝ መደብ ኣለዎ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0