መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓድሽ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ ከፊቱ

Radio Erena: 28 June 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ መዓስከራት ትግራይ ሽመልባን ሕጻጽን ንዝተመዛበሉ ስደተኛታት ኤርትራ መጽለሊ’ዩ ዝበሎ፣ ሓድሽ መዓስከር ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣቝሙ።

ኣብ ትግራይ ብዝተፈጥረ ጸጥታዊ ኩነታት፣ እቲ መዓስከራት ምስተዓጽወ፣ ስደተኛታት ኤርትራ፣ ናብቲ ኣብ ሰሜን ጎንደር፣ ከባቢ ዳባት ኣብ ዝተኸፍተ ‘ኣለምዋጭ’ ዝተባህለ መዓስከር ንምግዓዞም ከምዝተወሰነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣስታት 20 ሽሕ ኤርትራውያን ከዕቑብ ምዃኑ ዝተገመተ መዓስከር፡ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝተኸፍተሉ፣ ወኪል ስደተኛታትን ተመለስቲን ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ተረኾቦም።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራ፣ ግዳያት ናይቲ ብኹሉ መኣዝን ዝተኸፍተ ኵናት ይኾኑ ምህላዎም ዝፍለጥ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መዓስከር ስደተኛታት ናብ ዉሑስ ቦታ ክሰጋገር፣ ካብ መንግስቲን ተጸዋዒ ስደተኛታትን ግቡእ ቆላሕታ ክግበር፣ ስደተኛ ካብ ፖለቲካዊ ጸግዒ ናጻ ክነሱ፣ ከም መባድልቲ ዝጥቀሙሎም ዘለዉ ፖለቲከኛታት ደው ከብሉ፣ ምስ ለበዳ ኮቪድ19 ተኣሳሲሩ፣ ቀረብ መድሃኒትን ማይን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ነገራት ቆላሕታ ክግበረሎም፣ ዝብልን ካልእን ጠለባት ዘቕረቡ ሽዹሽተ ወከልቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብ15 ሰነ ኣሲሩ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0