ዝሞተ ነባሪ ዓሳ ዝገፈፉ የመናውያን፣ ኣብ ከርሱ 1.5 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ሃብቲ ረኺቦም

Radio Erena: 28 June 2021

ዝሞተ ነባሪ ዓሳ ዝገፈፉ የመናውያን፣ ኣብ ከርሱ፣ 127 ኪሎ ግራም ዝምዘን ክቡር ማዕድን ረኺቦም።

እቶም ኣስታት 35 ዝኾኑ የመናውያን፣ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣቢሎም፣ ኣስታት 26 ኪሎሜተር ንደቡብ ካብ ገማግም ባሕሪ ዓደን፣ ዓሳ ኣብ ዝገፍሉ ዝነበሩ እዋን፣ ዝሞተ ነባሪ ዓሳ’ዩ ብሰኪዐቶም ተታሒዙ።

ነቲ ዓሳ ናብ ገማግም ባሕሪ ብምስሓብ፣ እናጠብሑ ውሻጠኡ ምስ ጎርጎሩ ግና፣ ሓደ ተስፋ ዝሃቦም፣ ክቡር ምዃኑ ዝገመትዎ እምኒ መሳሊ ነገር’ዮም ረኺቦም።

እቲ ዝረኸብዎ ኣስታት 127 ኪሎ ዝተመዝነ እምኒ መሳሊ ነገር፣ ‘ኣምበርግሪስ’ ዝብሃል ማዕድን ኮይኑ፣ ብክቡር ዋጋ ዝሽየጥ ዓይነ ጨና ኣብ ምፍራይ ተደላዩ ምዃኑ ብመንገዲ ደላሎ ክፈልጡ ክኢሎም።

እቶም ዝተሓተ መነባብሮ ዝጸንሖም የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ እቲ ዝረኽብዎ ማዕድን፣ ልዕሊ 1 ሚልዮን ዶላር ዋጋ ከውጻሎም’ዮ ዝብል ግምት ግና ፈጺሙ ከምዘይነበሮም ፋርስ ዓብደልሓኪም ዝተባህለ ሓደ ካብኣቶም ሓቢሩ።

እቲ ማዕድን፣ ናብ ደላሎ ምስ ወረደ፣ ዜጋ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝኾነ ነጋዳይ፣ ብ1.5 ሚልዮን ዶላር ዓደግዎ።

እቶም ገፈፍቲ ዓሳ፣ ነቲ ዘይተጸበይዎ ሃብቲ፣ በይኖም ከጋይጽሉ ኣይመረጽኡን።

እንታይ ደኣ፣ ኣብቲ ዝነብርሉ ሕብረተሰብ፣ ኣዝዮም ጽጉማት ንዝበሃሉ ወገናቶም ከምዝሓገዝሉ፣ ምስ ገለ ካብኣቶም ዕላል ዘካየደ ወኪል ኣገገልግሎት ዜና ፈረንሳ ካብ ዓደን ጸብጺቡ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0