‘መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽም ኣሎ።’ ጸብጻብ መርማሪት ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት

Radio Erena: 22 September 2022

ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ሰሜን ኢትዮጵያ እትምርምር ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት፣ ‘መንግስቲ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽም ኣሎ’ ዝብል እምነት ከምዘለዋ ኣፍሊጣ።

እታ ጉጅለ፣ ብ19 መስከረም ኣብ ዘቕረበቶ ፈላሚ ጸብጻብ፣ ኣብ ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ኣብ ዝጀመረ ኵናት፣ ኩሎም ሓይልታት ዝተፈላለየ ገበናት ከምዝፈጸሙ ዘረጋግጽ መርትዖ ምርካባ ኣረጋጊጻ።

እቶም ተኣኪቦም ዘለዉ መርትዖታት፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ገበናት ኵናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ከምዝተፈጸሙ ዘእምን ምዃኑ እታ ጉጅለ ብተወሳኺ ኣብ ጸብጻባ ኣስፊራ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንጥሜት ከም መሳርሒ ኵናት ይጥቀመሉ ምህላዉ ኣብቲ ጸብጻብ ቀሪቡ ኣሎ።

እታ ሰለስተ ክኢላታት ዘለዋ ጉጅለ፣ ኣብ ታሕሳስ 2021 ብውሳኔ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ካብ እትቐውም፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ’ያ ንመጀመርያ እዋና ናብ ኢትዮጵያ በጺሓ።

ኣብቲ ካብ 25 ክሳብ 30 ሓምለ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሓትሉ መዓልታት ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት እታ ሃገር ብምርኻብ፣ ምስቲ እቐዲሙ መጽናዕቲ ክካየደሉ ዝጸንሐ ነጥብታት ብምዝማድ ድማ ኣብ መጀመር ናይዚ ሰሙን ጸብጻባ ኣብ ጄኔቫ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣቅሪባ ዘላ።

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ጸጥታ፣ ኣቶ ሬድዋን ሑሰን፣ እቲ በታ ጉጅለ ዝቐረበ ጸብጻብ፣ ንኢትዮጵያ ንምውንጃልን ንምውራድን ዝተኣልመ ውዲት’ዩ ክብል ኣብ ትዊተር ገሊጹ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጄኔቫ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣቶ ዘነበ ከበድ ብወገኑ፣ እታ ጉጅለ፣ መንግስቲ ንጥሜት ከም መሳርሒ ኵናት ይጥቀመሉ ምህላዉ ዘረጋግጽ መርትዖ ከምዘይብላ’ዩ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ቃል ጠቒሱ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ገበናት ኵናትን ገበናት ሰብኣውነትን ተፍጺሙ ምህላው ዝጠቕስ ጸብጻብ መርማሪት ጉጅለ ብዝምልከት፣ ኣብዚ ቀረባ ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ኣሚቶም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0