ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ኣብ ናጽነት ፕረስ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፈጠሮ ጽልዋን ዘተኮረ ዋዕላ፣ ኣብ ፓሪስ ተቓኒዑ

Radio Erena: 23 September 2022

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ኣብ ናጽነት ፕረስ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፈጥሮ ዘሎ ጽልዋን ዘተኮረ ዋዕላ ኣብ ፓሪስ ተኻይዱ።

ኣብቲ ብራድዮ ኤረና ተወዲቡ፣ ብሓሙስ 22 መስከረም፣ ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ ፓሪስ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ጋዜጠኛታት፣ ወከልቲ ኣህጉራውያን ማሕበራት፣ ተማህሮ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መጽናዕቲ ዘካየዱ ምሁራትን ካልኦት ግዱሳትን ተሳቲፎሞ።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ሰብን ንብረትን ዘብጽሖ ዘሎ ሞት፣ መቑሰልትን ዕንወትን፣ ኩሎም’ቶም ኣብቲ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ኣብ ፕሮፖጋንዳን ናይ ጽልኢ ዘመተን ስለዝተጸምዱ፣ ቅኑዕ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሞያውያን ጋዜጠኛታት፣ ቅኑዕ ሓበሬታ ከይእክቡን ናብ ህዝቢ ከይዝርግሑን ብኹሎም ወገናት ቀይድታት ይግበረሎም ምህላዉ ኣብቲ ናይ ፓሪስ ዋዕላ ብኣብነታት ቀሪቡ።

ወኪል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ኣብ ትሕተ ሰሃራ ናይ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሙቶኪ ሙሞ፣ ካብ ናይሮቢ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ንጋዜጠኛታት ዘውይሑስ ዞባ ምዃኑ ብምትሕስሳብ ምስ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ኣዝዩ ብኢሱ ምህላዉ ኣመልኪታ።

ንሳ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ንዘሎ ፍጻሜታት ጋዜጠኛታት ብኣካል ከረጋግጽዎ ስለዘይክእሉ፣ ብቴሌፎንን ካልእ መንገዲታትን ንዝበጽሖም ሓበሬታ ብምውካስ ዘቕርብዎ ዘለዉ ጸብጻባት፣ ንናጻ ፕረስን ጋዜጠኝነትን ተወሳኺ ብድሆ ምዃኑ ኣዘኻኺራ።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ሓደ ዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብምዕጻውን ጋዜጠኛታት ብምእሳርን፣ ነዚ ዝሓለፈ 21 ዓመታት ንህዝቢ ካብ ናጻ ሓበሬታ ዓፊኑ ምህላዉ ዘዘኻኸረ፣ ጋዜጠኛ ራድዮ ኤረና፣ ፈትሒ ዑስማን ብወገኑ፣ እዚ ናይ ሕጂ ኵናት ንዝጸንሐ ዘጋድድ ክስተት’ዩ ክብል ጠቒሱ።

ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ስደተኛታት ክፍጸም ዝጸንሐ መጥቃዕታትን ፈጸምቱን ብዝምልከት ብናጻ ሜድያ ክረጋገጽ ኣይከኣለን ዝበለ ፈትሒ፣ እቲ ፍጻሜ ብኹሎም ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ንፕሮፖጋንዳ ክውዕል ከምዝረአ ብኣብነት ኣረዲኡ።

ኣብቲ ዋዕላ፣ መደረ ከስምዕ ዕዱም ኮይኑ ዝቐረበ ሱዳናዊ ጋዜጠኛን ተንታኒ ፖለቲካን፣ መሓመድ ኣል ኣስባት፣ ጋዜጠኛታት ሱዳን ምስቲ እታ ሃገር እትሓልፎ ዘላ ሓርጎጽጎጽ ዝበዝሖ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ተተሓሒዙ፣ ግዳያት ክኾኑ ከምዝጸንሑ ብምሕባር፣ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያን ተወሳኺ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ወኪል ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ኣብ ኤውሮጳ’ውን ዝኾነ መሓመድ፣ ጋዜጠኛታት ሱዳን፣ እታ ሃገር ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዶባዊ ምስሕሓብን ጉዳይ እቶም ካብ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝሃድሙ ሰለማውያን ሰባትን ብሓፈሽኡ ድማ መርገጺ ‘ቲ ብወትሃደራት ዝተባሕተ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ብናጽነት ጸብጻባት ከቕርብሉ ዝኽእሉ መድረኽ ከምዘየለ ኣገንዚቡ።

ጋዜጠኛታት ድምጺ ራድዮ ጅቡቲ፣ ብወገኖም ንተሞክሮ ናይቲ ኣብ ስደት ኮይኖም ዘካይድዎ ዘለዉ ንጥፈታ ሜድያ ብምዝርዛር፣ ኣብዚ ንጹርን ውድዓውን ሓበሬታ ንምርካብ በዳሂ ኮይንሉ ዘሎ እዋን፣ ጋዜጠኛታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ዝሰርሕሉ መድረኽ ክፍጠር ዝብል ርእይቶ ኣቕሪቦም።

ወኪል ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ ፈረንሳ፣ ጋዜጠኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብቲ ዞባ ምስ ዝርከባ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ብኸመይ ክሰርሑ ይኽእሉ ዝብል ነጥቢ ከቕርብ እንከሎ፣ ካልኦት ተሳተፍቲ ዝተፈላለየ ሕቶታትን ርእይቶን ብምቕራብ እቲ ብራድዮ ኤረና ዝተወደበ ዋዕላ ተዛዚሙ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0