መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ‘ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎም ብዝብል ጥርጣረ ንዝተታሕዙ ሰባት ፈንዩ’ ብዝብል ክሲ ንኣዛዚ ፖሊስ ደብረብርሃን ኣሲሩ

Radio Erena: 25 November 2021

ኵናት ትግራይ ናብ ከባቢ ደብረብርሃን ከምዝተጸግዐ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ፣ ኮማንደር ታየ ሃብተጊዮርጊስ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎ ብዝብል ክሲ ከምዝኣሰሮ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጠን።

እቲ ኣዛዚ ፖሊስ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ንሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን እታ ከተማ፣ ኣቶ ዳኒኤል እሸቴ፣ ብምጥቃስ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና መንግስቲ፣ ቀንዲ ክሱ፣ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ብጥርጣረ ንዝተታሕዙ ሰባት ከምዝወጹ ጌሩ ዝብል ምዃኑ ኣስሚረናሉ።

ኣብ ኵናትን ጸጥታዊ ዘይርግኣትን ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ’ውን ምስ ህወሓትን ዕጡቓት ጉሙዝን ርክብ ክህልዎም ይክእሉ’ዩ ኢሉ ንዝጠርጠሮም ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣሲሩ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ግንባራት ብዘካይዶ ዘሎ ፍሉይ ስርሒት፣ 12 ላዕለዎት ወትሃደራውያን መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ቀቲለ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር ስምን ሓላፍነትን ናይቶም ብፍሉይ ስርሒት ቀቲለዮም ዝበሎም ላዕለዎት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ብዝርዝር ኣየነጸረን።

ብካልእ ወገን፣ ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ናብ መቐለ ከምዝበጽሐ ማዕከናት ዜና ትግራይ ሓቢረን።

እቲ ኣምባሳደር፣ ብ25 ሕዳር ናብ መቐለ ድሕሪ ምእታው፣ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ተኽእሎ ስምምዕ ምቑራጽ ተዅሲን ብዝምልከት፣ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ምስ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ክልል ትግራይ ከምዝዘተየ ዲፕሎማሰኛታት ይጠቕሱ።

ስእሊ፦ ፋና – FBC

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0