መንግስቲ ሶማል፣ ንናጽነት ዞባ ኦጋዴን ናይ ኢትዮጵያ ዝቃለስ ግንባር፣ ካብ መዝገብር ሽበራ ሰሪዝዎ

Radio Erena: 25 January 2022

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ብሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ዝፍለጥ፣ ንዞባ ኦጋዴን ናይ ኢትዮጵያ ናጻ ንምውጻእ ዝቓለስ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ካብ መዝገብ ሽበራ ከምዝሰረዞ ማዕከን ዜና ደይሊ ኔሽን ሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ፣ ነቲ ንሓያሎ ዓመታት ከም ሽበራዊ ጉጅለ መዝጊብዎ ዝጸንሐ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኢጋዴን (ONLF)፣ ካብቲ መዝገብ ዝሰረዘሉ ምኽንያት፣ ምስቲ ዞባ ዝምድና ንምምስራት ዘንቀደ ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።

ካብ ኤርትራን ካልእ ከባቢታትን እናተንቀሳቐሰ፣ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ክቓለስ ዝጸንሐ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ርክብ ድሕሪ ምጅማሩ፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ወገን ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው፣ ዕጥቃዊ ቃልሱ ብፖለቲካዊ መንገዲ ክቕጽል ከምዝወሰነ ይዝከር።

እንተኾነ፣ ዝዓበየ ሓይሊ ናይቲ ግንባር፣ ዕጥቃዊ ቃልሱ ክቅጽል’ዩ ወሲኑ።

ኣብ 1984 ወትሃደራዊ ምንቅስቓሳስቱ ዝጀመረ ONLF፣ ንናጽነት ናይቲ ኣብ እዋን ስርዓት ሃይለ ስላሴ፣ ብኢትዮጵያ ብሓይሊ ተጎቢጡ ዝብሎ ዞባ ኦጋዴን ከምዝቓለስ’ዩ ዝገልጽ።

ባይቶ ሶማል፣ ኣብ 2017 እቲ ግንባር ካብ መዝገብ ሽበራ ክስረዝ ወሲኑ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ ግብሪ ግና ኣይወዓለን።

ብኣንጻሩ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ መሬቱ ንዝሓዞ ላዕለዋይ መራሒ ናይቲ ግንባር፣ ዓብደልከሪም ሸኽ ሙሰ፣ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ዩ ኣረኪብዎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ ሑሰን ሮብለ፣ እቲ ብ23 ጥሪ ዝተኣወጀ ምስራዝ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ካብ መዝገብ ሽበራ፣ ብኡ ንብኡ ኣብ ግብሪ ከምዝወዕል ምርግጋጹ፣ እቲ ማዕከን ዜና ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ 2017፣ ንዓብደልከሪም ሸኽ ሙሰ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምርካቡ፣ ጌጋ ምንባሩ ብምእማን፣ ብወግዒ ይቕሬታ ሓቲቱ ኣሎ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0