ኢትዮጵያ፣ ዳግም ከተቖሞ ዝሓሰበት ሓይል ባሕሪ ከምዝፈሸለ ተሓቢሩ

Radio Erena: 25 January 2022

ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣብ 1991 ምስ ናጽነት ኤርትራ ዝተበታተነ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዳግም ንምቛም ክሰርሓሉ ዝጸንሐ መደብ ከምዘይተዓወተ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ዳግመ-ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክዕወት ዘይክኣለሉ ምኽንያት፣ እቲ መንግስቲ ኣብ ኵናት ትግራይ ምስ ተጸምደ፣ ፈረንሳ ነታ ሃገር ዝኣተወቶ ወትሃደራዊ መብጽዓታት ደው ስለዝበለ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ኣዛዝቲ ሓይሊ ባሕሪ ክኾኑ ዝተመዘዙ ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፣ ቅድሚ ኵናት ትግራይ፣ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ መደበራት ሓይሊ ባሕሪ ስልጠናን ተሞክሮን ይቐስሙ ምንባሮም ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ፈረንሳን ኢትዮጵያን ዝኾኑ ወትሃደራዊ ርክብ ከምዘየለ ኣስሚሮም።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ኣብ መጋቢት 2019 ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ዳግመ-ምቛም ሓይሊ ባሕሪን ምሕዳስ ሓይሊ ኣየርን ኢትዮጵያ ዘተኮረ ግዙፍ ወትሃደራዊ ስምምዕ ከምዝኸተመ ኣይርሳዕን።

ድሕሪ’ዚ ስምምዕ’ዚ ፈረንሳ፣ ንኣባላት ሓይሊ ባሕሪን ሓይሊ ኣየርን ኢትዮጵያ ከተሰልጥን ተራእያ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ክኾኑ ዝረቖሖም ሕጹያት መኮንናት፣ ኣብ ዲጋታትን ሓጽብታትን እታ ሃገር ብምስልጣን ኣመሪቑ’ዩ።

ፈረንሳ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብልቓሕ ዝጠለቦ፣ ነፈርቲ ውግእ ዝርከብኦ ናይ ኣስታት 4 ቢልዮን ኣጽዋር ግና ክትቕርበሉ ኣይከኣለትን።

ኵናት ትግራይ ኣብ 4 ሕዳር 2020 ምስ ጀመረ፣ ፈረንሳ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝኣተወቶ ውዕል ከምዘደስከለት፣ ካብ ኤሊዘ ወይ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ፈረንሳ ዝወጸ መግለጺ ኣነጺሩ።

ኣብ ኵናት ትግራት ተጸሚዱ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ፈረንሳ ዝነበሮ ወትሃደራዊ ውዕል ድሕሪ ምስራዙ፣ ጠመትኡ ናብ ቱርኪ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቻይናን ኣንቢሩ ኣሎ።

 

ስእሊ፦ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0