መንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ናይ ኤርትራ በረራታቱ ብ50 ሚእታዊት የዛይድ

መንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ናይ ኤርትራ በረራታቱ ብ50 ሚእታዊት የዛይድ

Radio Erena: 06 January 2016

Egypt air

መንገዲ ኣየር ቀጠር ናብ ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ጠቕሊሉ ደው ድሕሪ ምባሉ፣ መንገዲ ኣየር ግብጺ ናይ ኤርትራ በረራታቱ ናብ ሽዱሽተ ግዜ ኣብ ሰሙን ክብ ከምዘበሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን መንገዲ ኣየር ግብጺን ተበጺሑ ዘሎ ሓድሽ ስምምዕ፣ መንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ብዘይካ ዓርቢ፣ ኣብ ሰሙን ሽዱሽተ ግዜ ካብ ኣስመራ ናብ ካይሮ በረራታት ከካይድ’ዩ።

መንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ካብ ካይሮ ናብ ኣስመራ፣ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልታት ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት፣ ብዝሒ ገያሾ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ክሳራታት ስለዘጋጠሞ ደው ከብል ተደጋጋሚ እዋን፣ ካብ ኣመሓደርቲ እቲ መንገዲ ኣየር ምሕጽንታ ይቐርበሉ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ግብጽን ብዘሎ ፖለቲካዊ ምትእስሳር ግና እቲ መንገዲ ኣየር ክቕጽል ከምዝተደፋፍአ ‘ኤልባላድ’ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ግብጺ የመልክት።

ካብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ 2016፣ ናይ መጓዓዝያ በረራታቱ ተሰናኺሉ ዝጸንሐ መንገዲ ኣየር ኤርትራ’ውን፣ ካብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ጀሚሩ ናብ ካርቱም በረራታት የካይድ ምህላዉ ይግለጽ።

እቲ ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኣክል ደው ኢሉ ዝጸንሐ መንገዲ ኣየር፣ ኣብዚ ቀረባ ናብ ካይሮ፣ ጂዳን ዱባይን በረራታት ክጅምር ምዃኑ’ውን ይሕብር።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0